2018-06-25 16:59:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ንናይ ኣፍሪቃ ሰላም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ይጽናሕ ዘይብሃል ሕጹጽ ጻዕሪ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ሰዓት 11.45 ናይቲ ዝተፈላለያ ክርስትናዊ እምነት መግለጺ ናይ ዝዀነ ናይ ኣፍሪቃ ኣቢያተ ክርስቲያን ተቕዋማት ውድብ ኣባላት ተቐቢሎም፡ ንኣፍሪቃ ምርግጋእን ሕንጸትን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ኣብ ዝክእል ጻዕሪ ክነጥፉ ሓደራ ኢሎም።

ንናይ ኣፍሪቃ ሰላምን ብሉጽ መጻእንኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ምስ ባህላውያን እምነታትን ቤተ እስላምን ናይ ሓባር ዘተ ይጽናሕ ክበሃል ዝይብሉ ቀዳማይን ሕጹጽን ጻዕሪ ክኸውን ከምዝግብኦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንፈለማ ጊዜ ናይ ኣፊርቃ ኣቢያተ ክርስቲያንት ተቕዋማትውድብ ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘስመሩሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ናይ ቀረባ ታሪኽ ማለት ካብ 1978 ዓ.ም. እቲ ዝተፈላለያ ናይ ክርስትና እምነት መግለጺ ዝዀነ ኣፍሪቃውያን ተቕዋማት ዝሓቁፍ ውድብ ካብ ዝተመስረተሉ ንነጀው ዘሎ ታሪኽ ጽማሬ ብምቕራብ፥

ሎሚ እውን ካብ ሰላም ዝረሓቓ ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ

ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዝተገብረ ቃልስን ስዒቡ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዝቖመት ክፍለ ዓለም ኣብ ምርግጋጽ ዝተገብረ ጻዕሪ ናይ ኣፍሪቃ ማሕበራውን ሕዝባውን ሓቕታት ግምት ብምሃብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምክልኻል ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ፥

እቲ ዘሕዝን እቲ ንነጻነት ዝተገብረ ቃልሲ ዘቃልሖ ዝነበረ ምዕባለን ፍትሕን ዝብል መርሓ ግብሪ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ እዩ፡ ሎሚ እውን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ሰላምን ኤኮኖምን ማሕበራውን ፖለቲካውን ምዕባለ ርሒቐን ይርከባ ኣለዋ፡ መላእ ኣፍሪቃን ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ኣብታ ክፍለ ዓለም ናይ ዕርቅን ሰብኣውነትን ግብረ ሰናይን ኣስፍሆተ ወንጌል ዘቕርባ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚኤን ዘሎ ብድሆት ንስኻትኵም በቐረባ እተፈልጥዎ ሓቂ እዩ፡ ብፍላይ ምርግጋእን ሕንጸትን ናይ ስራሕ ዕድልን ነቲ ካብ ጠቐላላ ብዙሒ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ኣብላጺ ንዝዀን ንመንእሰይ ወለዶ ምፍጣር ዝብል ዓቢይ ብድሆ ብዕምቆት እትፈልጥዎ ኵነት እዩ፡ ብሩህ መጻኢ ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ጻዕሪ ወሳኒ እዩ።

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

ጸጋታት ኣፍሪቃ ብጥበብን ስነ ምግባርን ምጥቃም

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሉቃስ ወንጌል ተመርኵይዞም እታ ሎማዊት ኣፍሪቃ ነቲ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ እያሪኮ ዝጓዓዝ ዝነበረ እሞ ኣብ ኢድ ከተርቲ ሸፋቲ ዝወደቐን በቶም ዓማጽያን ዝነበሮ ኵሉ ተቐንጢጡን ተቐጥቂጡን ኣብ ድነ ሞት ዝተደርበየ ሰብ ትመስል፡ እምበኣር ከስ መልእኽቲ ወንጌል ንሕዝቢ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓደራ ከይዝንጋዕ፥

ናይ ድኻታት ቀቢጸ ተስፋነትን ናይ መንእሰያት ጭንቀትን ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣውያትን ስቓይን ቃንዛን ብትግሃት ምውጋእ እቲ ብቓልን ሕይወትን ዝስበኽ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ተስፋን ሰላምን ሓሴትን ስኒትን ፍቕርን ሓድነት ተመክሮ ንክኸውን ይገብር። ናይ ክርስቲያን ሓላፍነት ናይ ኣፍሪቃ ጸጋታት፡ ሰብኣውን ባህላውን ቁሳውን ጸጋታታ ብጥበብን ብስነ ምግባርን ብዝተሰነየ ተግባር ኣብ ጥቕምን ንመላእ ጥቕሚ ኣፍሪቃ ንምውዓል ዝድግፍ ኵነት ምፍጣርን ምምስካርን እዩ

ከምዝበሉ ሓቢረን።

ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለየ ግጭት ዝረኣየሉ ከባቢ ኣፍሪቃ ናይ ሰላም ከይዲ ምንቕቓሕ ይጽናሓለይ ዘይትብሎ ሕጹጽ ተግባር እዩ፡ ነቲ ብድኽነት ዝተጠቕዔ ምትሕብባርን ምድጋፉን ሕጹጽ ተግባር እዩ፡ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ነፍሲ ወከፍ ዜጋን መላእ ሕዝብን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎትን ተተሓሒዙ እውን ክብሮምን ነጻነቶምን ምሰሎምን ንምክልኻል ሓይሎም ከተኣኻኽቡን ኣብዚ መዳይ ከውዕልዎን ይግብእ፡

ፍልልይ ብዘየገድስ ንናይ ሓባር ሸቶ ምትጋህ

ሎሚ ካብ ቀደም ንናይ ሓባር ጥቕሚ ማሕበረ ክርስቲያን ብሓባር ክዓዪ ከምዘድልዮ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብኣጽንዖት እንከተሓሳስቡ፥

ኣብ መንጐና ቲዮሎጊያውን ስነ ቤተ ክርስቲያናውን ፍልልያት እንተሃለወ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበረ ክርስቲያን መራሕትን ኣባላት ምእመናንን ናይ ሓባር ሸቶ ፈልዮም ብምልላይ ንናይ ኵሉ ሓባራዊ ጥቕሚ ክዓዩን ብፍላይ ነቶም ዝተገድዑን ድኻታትን ጥቕሚ ክዓዩ ይግብእ

ክንየው መተዓናቕፎን ጽልእን

ካብ ሃይማኖታውን ዕሴታትን ካብቶም ናይ ሕዝብታት ኣፍሪቃ ዝዀነ ናይ ኩላትናን ናይቶም ክርስቲያን ዝዀንና እውን ዝዀኑ ጥልቂ እምነትን ትርጉም ስድራ ቤትን ኣኽብሮት ህልውና ሰብን ዝብሉ መሰረታውያን መትከላት፥ ፡ ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ባህልታትን ቋንቋታትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ብሓባር ህልዋት ክዀኑ ዘኽእሎም ከይዲ ብምንቕቓሕ ክንየው መተዓናቕፎታትን ጽልእን ብማሕበራውን ሰብኣውን ተራኽቦነት ክንገልጾም ዘኽኣለና እዩ።

ኣብ መንጐናን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ጽዑቕ ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ አተባብዕ፡ ምእንቲ ንዝበለጸ ናይ ኣፍሪቃ መጻኢ ኣብ መንጐና  ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖኣታትን ኣቢያተ ክርስትያንን ባህላውያን ሃይማኖታትን ሃይማኖት ምስልምናን ንምትሕብባር ዘብቕዕ ኣገባብ ንኸነለልይ መንፈስ ቅዱስ ብርሃኑ ይዓድለና።

ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብወገና ኣብቲ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ መሻርኽታን ብሓባር እቲ እግዚኣብሔር ንመላእ ሰብኣዊ ፍጡር ዝደልዮ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሕውነትን መንግስቲ ተነቓቕሕ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣኵይሊኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.