2018-06-29 18:25:00

ሰንበት ዘአስተምህሮ 2010 ዓ.ም. ሰነ 24 2007 ዓ.ም (7/01/2018)


ንባባት፡ 2ቆሮ 5:14-17፥ ፫ዮሓ 1፡1-ፍ፥ ግ.ሓ.14፡20-ፍ፥ ማር.4፡35-41   ምስባክ: አንተ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል፥ ርኁቀ መዓት ወብዙኅ ምሕረት ወጻድቅ፥ ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ። ንስኻ ኦጎይታ መሓርን አጸባቕን ኢኻ፥ ካብ መቕጻዕቲ ርሑቕ ብዓል ብዙሕ ምሕረትን ጻድቕን ኢኻ፥ አባይ ጠምት እሞ ምሓረኒ።

ካብ አባ ገሪማ 17 ሰነ ክሳዕ ብአተ ክረምት 25 ሰነ ዘሎ አብ ስርዓት ሉጡርግያና ዘአስተምህሮ ተባሂሉ ይጽዋዕ ሓንቲ ወይ ክልተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ንሎሚ ሰንበት ዝዝመር መዝሙር፥

“ሰንበቱ ነኽብር ስርዓቱ አይንሕደግ ንአኡ ጥራሕ እዩ ሃሌ ሉያ፥ ጻድቕ እዩ አብ መንግስቱ ኸአ ጽድቂ ይፈርድ፥ ንግሆ ከም ዝወግሕ ይገብር ምስ ወግሔ ኸአ ምሕረቱ ይህበና፥ አምላኽና አምላኽ ድኅነት እዩ ዝስአኖ የብሉን፥ ቃሉ ሓቂ ነገራቱ ዝእመን እዩ” ይብል። እዚ መዝሙር አብ ወርኂ ኅዳር እውን ይዝመር እዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስትያን ንኹልና ደቃ በዚ ብሩኽ ሰንበት አብዚ ዝተነበና ቃል አምላኽ መሰረት ገራ ክተዘኻኽሮ እትደሊ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ሓቦ ለቢስና ክንጉዓዝ ክርስቶስ ወላ እውን አብ እዋን ግላዊ ማዕበል ሕይወትና አብ መንጎና ከምዘሎ ክንሓስብ። አብዚ መሰረት ገርና ነቲ ፈቃር አምላኽና ኵሉ ጊዜ በቲ ዝሃበና ክነመስግኖ ከምኡ በቲ ጸግኡን ፍቕሩን ምሳና ብምህላዉ ናቱ ኮና ክነብር ክሕግዘና ክንልምኖ ተዘኻኽረና።

ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ሰሪዕካ ምኽአል።

አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብምድግጋም ዝግለጸልና አምላኽ ፈጣሪና ከም ዝኾነ ብዘይካ አምላኽ ሕይወትና ትርጉም ከምዘይብሉ ይነግረና። አምላኽ ንኹሉ ባህርያውን መልዕልተ ባህርያውን ግዙፍን ረቂቕን ነገራት አብዚ ዓለምና ዝኸውን ኵሉ ነገር ክቆጻጸር ኃይሊ/ክእለት አለዎ።  ምሉእ ዓለም አብ ኢዱ ይጭብጦ በዚ ኸአ ንጉዕዞ ሕይወትናን ንታሪኽ ዓለምናን ይመርሕ። ንሱ ምአስ ጊዜ ብዝበለጸ አብ ሕይወትናን አብ ምሉእ ታሪኽ ዓለምናን ከምዝአቱ ይፈልጥ እዩ። እዚ አብ ሕይወቱ ብዙሓት አበውን ሓዋርያትን ተራእዩ እዩ። አብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ዝተነበት ከም ዝሰማዕናዮ አምላኽ ንኹሉ ንአና ደቁን አብ ዓለምናን ዘሎ ዝገብሮ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ ይብል። ነቲ ሓደ ወዱ አብቲ ምቹእ እዋን ምእንቲ ድሕነት ኩሉ በጃ ክሓልፍ እሞ ኵሉ ክሕደስ ደልዩ ልኢዅልና።

አምላኽ ዘይመርሖ ሕይወት ፍሉይ መለለዩ አለዎ፥ ፍርሒ ጭንቀት፥ ሓቂ ዘይምዝራብ፥ ህውከት፥ ሓሶት፥ ጭካኔ፥ ንሰባት አብቲ ንሳኻ ዝተጋገኻዮ ከም ዝአትዉ ምግባር ብሓጺሩ ንኹሉ ክፍአተ ግብሪ ምግባር። ሕይወትና ከምቲ ቅዱስ አጎስጢኖስ ዝብሎ ነፍስና ንአምላኽ ምስ ረኸበት ጥራሕ እያ ዕረፍቲ እትረክብ፥ ካብ አምላኽ ዝተፈልየት ሕይወት ዕረፍቲ የብላን ሰላም የብላን ኵሉ ጸላኢኣ ኵሉ አንጻር ኮይኑ እዩ ዝርአያ። አብ ክፍአተ ግብሪ ደቂ ማሕበር ክትገብር ለይትን መዓልቲን ትጽዕር ሽዑ ገለ ዝንጉዓት ምስ ረኸበት ዳንከራ ክፍአት ክትወቅዕ ጸገም የብላን።

ሕይወተይ መን ይመርሖ አሎ ኢልና ክንርኢ እምብአር ግቡእ እዩ። መራሒ ዘይብልና ክንከይድ ዘይክአል እዩ ምናልባት ዘሎናዮ ጉዕዞ ዘይንርኢ እንተ ሎና ሎሚ ክንርኢ ወይ እውን ገለ ሰይጣን ዝመርሖ ክፉአት ሰባት ዘንጸላለውዎ ሕይወት ንመርሕ እንተ አሊና ክነስተውዕል ዓይኒ ሕልናና ክንከፍት ሎሚ እዋኑ እዩ። ንጉዕዞ ጸላም ሓዲግና አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንአቱ እሞ ነቲ አሰረይ ስዓብ ዝብል ለበውኡ አብ ግብሪ ክነርእዮ ጉዕዞ ሕይወትና ንርአ። 

ሕይወት ማዕበል ዝመልኦ እዩ። አብ ገለ እዋናት እዞም ማዕበላት ብርቱዓትን ክንርድኦምን ክንቆጻጸሮምን ዘይንኽእል ይኾኑ። አብ ከምዚ ዝአመሰለ ሕይወት ፍርሕን ጭንቀትን ይወርሰና እሞ ሕይወት ትርጉም ንስእነሉ። አብ ገለ እዋናት እምነትና አብ አምላኽ እውን ነጥፍእ፥ ሓዲጉና ደርብዩና ኢልና ተስፋ ካብ ምቑራጽ ዝተላዕለ አብኡ ዘሎና እምነት ወይ ነጥፍኦ ወይ አይምዉት አይ ሕያው ገርና ንነብር። እዞም ማዕበላት ብዝተፈላለየ መልክዕ እዮም ዝመጽኡና። አብ ኪዳናዊ ሕይወት ክጓነፉና ይኽእሉ በምልክዕ ፈተናታት ክመጽኡና ይኽእሉ፥ አብ ደቅና ዝጓነፈና ጸገማት፥ አብ ስራሕ፥ አብ ዓቕሚ ገንዘባዊ ትሕዝቶና፥ አብ ሕማቕ ጠባያትናን ባህርያትን፥ ወይ እውን ነውሕ ሕማማ ዝኾነ ፈውሲ ምጥቃም ምስ ሰአነና እዝን ካልእን ዝተፈላለየ ማዕበላት የምጽአልና። አብ ገለ እዋን ከአ ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ክንገብር ምስ ዘይክአልና ርክባትና ኵሉ ጊዜ ምስ ሓርፈፈ ምስ ኵሉ ንናኸስ ንብአስ፥ አብ ዝፈተናዮ ኵሉ ምዕዋት ምስ ሰአና እዚ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን ግን እዚ ነቲ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ዝጓነፈና ሓቂ ዝገልጽ እዩ። ኵልና ክንአምኖ ዘሎና እዚ ኹሉ አብ ሕይወትና ብሓቂ አሎ በዚ ምኽንያት ከአ ሕይወትና ብዘይ ዝኾነ ማዕበል ከም ዝነብር መረጋገጺ የብልናን፥ ካብ ዝኾነ ማዕበል ነጻ ኮና ክነብር ዘይክአል እዩ። እቲ ሰናይ ዜና ክርስቶስ ኵሉ ጊዜ ክንዕወት ምእንቲ ኢሉ ምሳና ክምዘሎ መረጋገጺ አሎና።

ኢየሱስ ምሳና እኳ እንተሎ ማዕበል ሕይወትና አብ ተስፋ ቍርጸት የብጽሓና።

ፍርሒ ነዒንቲ ልብና ስለ ዝሽፍኖ፥ ነቲ ምሳይ ዘሎ አምላኽ ክንዲ ዝርኢ አብ ዓቕመይን አብ ሓይለይን ጥራሕ ምስ ተመርኮስኩ ሽዑ እቲ ማዕበል እናበርትዐን እናፈራሕኩን እኸይድ እዚ ኹሉ ዝኸውን ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ ስለ ዘይሓደግኩ እዩ።
እምነት ስለ እነጉድል። ብእምነት ዝምራሕ ሕይወት ነቲ ዘይክአል ብዓይኒ እምነት ስለ ዝርኢ ተስፋ ቍርጸት አብኡ አይርከብን እዩ ሽዑ ንዝመጽአ ይምጻእ ክጾሮ አየጸግሞን እዩ ስለዚ ዓቢ እምነት ሒዝና ክንጉዓዝ የድሊ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ክልተ መሰረታውያን ሓቅታት ነዚ ዘሎና ጸገም ዝገልጽ ንረክብ።

መጀመርያ ክርስቶስ አብታ መርክብ ምሳኻ አሎ ስለዚ ናይ እቲ ማዕበል ኵነታት ከምኡ ነቲ ክትድሕን ኢልካ እትገብሮ ቃልሲ ጽቡቕ ገሩ ይፈልጥ እዩ። በዚ ምኽንያት ምስኡ እንከሎኻ አይትጠልቕን ኢኻ። ጨሪሹ ክኸውን ዘይክአል እዩ። ምሳኻ ክርስቶስ ክሳብ ዘሎ ዝኾነ ሓይሊ ወይ ዝኾነ ከሸንፈካ ዝኽእል ነገር የለን። አብ ሕይወትና ዝተፈላለየ ፈተና ጸገም ክጓነፈና ይክአል እዩ ግን ንኹሉ አብ ኢድ ኢየሱስ ሓዲግና ንሕና እቲ ዝክአለና እንተ ገበርና አምላኽ ንዝተረፈ ባዕሉ ክአሊ እዩ። ካባና ዝድለ በቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ ዝክአለና ገርና ክንክእል አሎና።
ካልአይ ተመክሮኻ ብዘየገድስ ኵሉ ጊዜ አብ ጉዕዞ መርከብካ እናመራሕካ አብ ማዕበል ኢኻ ዘሎኻ ስለዚ ንበይንኻ ነቲ ዝጓነፈካ ማዕበል ክትስዕሮ ዘይክአል እዩ። ክርስቶስ ከምዚ ይብለና ብዘይካይ ሓንቲ ክትገብሩ አይትኽእሉን ኢኹም። ሓዋርያት ቅድሚ ንኢየሱስ ምጽውዖም ንመርከቦም ክቆጻጸሩ ዝክአሎም ገሮም እዮም፥ እንተ ኾነ ሓንቲ ኽገብሩ ምስ ዘይክአሉ መምህር ክንጠፍእዶ ግዲ የብልካን ኢኻ እናበሉ አእውዮም። ሽዑ ክርስቶስ አብ ጸገሞም አትዩ ነቲ ዘፍርሖም ማዕበል አህዲእዎ። አብ መዝ 51፡15 ከም ዘረጋግጾ ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዕኒ አነ ኸናግፈካ እየ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ ዝብል ንረክብ እዚ ኸአ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዘመልክት እዩ። 

አብ መጨረሻ ሰለስተ ነገራት አሎና ክንገብሮ ዝግብአና፡

፩ያ ብፍርሒ ተዋሒጥና አብ ክንዲ ኮፍ ኢልና ነግሮምርምን ተስፋ ንቖርጽን ክሕግዘና ንጎይታና ዓው ኢልና ንጸውዓዮን ንዓድሞን። እዚ ኸአ ረድኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚአብሔር እዩ ዝመጽእ (መዝ 121፡2) ከም ዝብሎ እዩ። አምላኽ ብተአምራት ንኹሉ ክገብረልና ንጽበ እንተ ኾና ገና ግርማ ተፈጥሮና አይትሰቕረናን አሎ ማለት እዩ። ክንድሕን አምላኽ ዝክአለና ክንገብር ይደልየና። ዝክአለና ምስ ገበርና ዝተረፈ አምላኽ ይምልአልና። ተአምራት ንጽበ እንተ ኾና አምላኽ ካባና ርሑቕ እዩ ዘሎ።
፪ይ አብ እግዚአብሔር አምላኽ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ዘሎና እምነት ብቐጻሊ ክነርኢ አሎና። እዚ አብ አምላኽ ዘሎና እምነት እዩ ተስፋ ሂቡ ዘጽንዓናን ብምሕረቱ ከም እንድሕን ዝገብረና። እምነት ክንብል እንከሎና አምላኽ ነቲ ብክእለትና ክንገብሮ ዘይንኽእል ከምዝገብረልና ነቲ ንሕና ክንበጽሖን ክንሓስቦን ዘይንኽእል እንሱ ከምዝኽእል አሚና ዕለት ዕለት አብኡ ዘሎና ተአምኖ ክንሕድስ አሎና።
፫ይ ኵሉ ጊዜ በቲ ዘሎናዮ ንአምላኽ እናመስገና ክነብር አሎና። ከምቲ አብ መዝ. 106፡1 ዝብሎ ንእግዚአብሔር አመስግንዎ፥ እግዚአብሔር ሰናይ እዩ፥ ምሕረቱውን ንዘለዓለም ይነብር እዩ እሞ አመስግንዎ ዝብሎ ገርና ነቲ ፈቃር አምላኽና ዕለት ዕለት ክነመስግኖ ይግብአና። ናይ ካልኦት ጸጋን ህያባትን ክንጥምት የብልናን በቲ ዘሎና ክነመስግን ነቲ ዘሎና ሰናይ ነገራት ክንርኢ ሽዑ ዕግበት ክህበና እዩ። ክርስትያን ብተስፋ እዩ ዝነብር ስለዚ ተስፋና አብ አምላኽ ገርና ሕይወትና ክንመርሕ አሎና።
፬ይ ሰላም ህድአት ዕረፍቲ አብ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ሓዋርያት ነዚ ዘንጊዖም አብ ካልኦም ደልዮማ እንተ ኾነ ኢየሱስ አብኡ ክምለሱ ነጊርዎም። ንሕና እውን አብዚ ዘሎናዮ ዓለም ዘናውጸና ዘሎ ማዕበላት ክሃድእ አብ ኢየሱስ ንመለስ። ንኢየሱስ ንለምኖ ማዕበላትና ክህድአልና።

ነዛ ብዝተፈላልየ ማዕበል እትርበሽ ዘላ ሕይወትና ህድአት ሰላም ዕረፍቲ ክትረክብ አብ ኢየሱስ ክነቕርባ ዝክአለና እናገበርና ክንጽሊ ክንልምን እዋኑ እዩ። ለምኑ ክውሃበኩም፥ ኳሕኵሑ ክኽፈተልኩም ዝበለ ኢየሱስ ሎሚ እውን ብልቢ ብእምነት ክንሓቶ የደልየና አሎ። ጉዕዞ ሕይወትና ንበይንና አይንምርሓዮ ምስ ኢየሱስ ንጉዓዝ ሽዑ ንሱ አብ ቦታ ሓጎስን ተስፋን ቅሳነትን ከብጽሓና እዩ።

ነዚ አብ መንጎ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ኪዳነ ምሕረት ባዕላ ማእኪላ አብ ምሉእ ሰላም ከተብጽሓልና ብሓብር ለምንልና ንበላ። ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ሰላሙን ምሕረቱን አብ ኩሉ የውርደልና።

ኦ ኢየሱስ መድኃኒና አብ ጽንኩር እዋን ሕይወትና ምሳና ኵን ክንርእየካ ዓይኒ ሕልና ሃበና ክነለልይከ ምልክትካ ልአኸልና ንበሎ።

ብሩኽ ሰንበት ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.