2018-07-02 09:24:00

ር.ሊ.ጳ.፥ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ኣብ ዝበለጸ ናይ ሓባር ጉዕዞ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ንምስታፍ ካብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ዝተላእኵ ኣጋይሽ ተቐቢሎም፡ እግዚኣብሔር እሙናት መሰኻኽርን ኣብሰርትን ወንጌል ይግበረና ዝልብ ቃል ዘማእከለ ዘረባ ኣስሚዖም።

 

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፓትሪይርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ወኪልም ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ንኽሳተፉ (ዕለት 29 ሰነ 2018 ዓ.ም. ተባዒሉ) ኣብ በዓለ ዋዜና ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ልኡካን ናይቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ናብ ሱታፌ ክብ እናበለ ይከይድ ምህላዊ ዝሕብር እዩ። እዚ ሱታፌ ናይ ቁስጥንጥናያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ኣብ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ከምቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ኣብ ኢስታንቡል ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 30 ሕዳር እተብዕሎ በዓል ልኡካና ብምልኣኽ ንእትፍጽሞ ሱታፌ ሞሳ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኣብ ናይ ክልቲኣተን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ በዓለ ቅዱሳት ብሉካነንን ኣቢለን ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝፍጽምኦ ናይ ሱታፌ ባህሊን ዓሚይቕ ርክብን መግለጺ እዩ።

ብሓባር ወንጌል ናብ መላእ ዓለም ብብጻሕ

ቅዱስ ኣቦና እዚ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን “ሓባር ኣናስር” ዘዘካኽር ርክብ ምዃኑ ዝስምዖም ሓጎስ ገሊጾም፡ እዚ ኵነት’ዚ “ሓድሽ ሰብኣውነት ዘመጭው ናይ ሓባር ተልእኮ ኣገልግሎት ወንጌላውነት ንኸስተውዕል ይድግፈኒ”፡ እዚ ተልእኾ’ዚ ነቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ስነ ሕንጸትን ባህልን ዘወግድ ኣበተን ናይ ክርስትና ባህሊዝነበረን ሃገራት ዝሰፍሕ ዘሎ ኢእግዚኣብሔራዊ ባህሊ ርኢኻ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣንከረጋግጹ፥

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምንሻውን ኣምልኾ ሃብቲ ገንዘብን፡ ምስፋሕ ዓመጽን ተግባረ እድን እደ ጥበብን ስነ ምርምርን ከም ፍጹምነት ምምልካትን ቀጥዒ ኣልቦ ምጥቃም ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ እዚ እቲ ብውሁድ ክንዝክሮ እንኽእል ጭቡጥ ሓደጋ ክኸውን እንከሎ ነዚ ኣሉታዊ ኵነት’ዚ ኢድና ሂብና ሱቕ ምባል ዘይከኣል እዩ

ኢሎም።

ኣማራጺ ከይዲ ማሕበራዊ ልምዓት

ኣብ ቅድሚ እቲ ጭቡጥ ኵነት ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ቀረባ እዋን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፥ “እቲ ስኒክ ማለት ውልቃዊ ጥቕም ስስዒን መምዘኒ ናይ ምግባር ምርጫ ኣይፋል ምባል እንተዘይኰነ ካልእ ኣማራጺ የሎን” ዝብል ቃል ዘስመርሉ፥

ኣቢያተ ክርስቲያና ንዓለምና ሓድሽ ናይ ለወጢ ተኽእሎ ምፍጣር ዝከኣለን እዩ፡ ብርግጽ ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብ ለውጥን ምክፋልን ብድግጋፍን ፍቕርን መዓጽዋ ርህው ገይራ ኣብ ምንባር ትርከብ፡ ብርግጽ መጻኢ ኣካል ናይ እተኻዕብቶ ሃብቲ ዘይከነስ ኣብ ምዃን እዩ፡ ኣብ ስስዔን ዘይኰነ ኣብ ተካፊልካምንባርን ኣብ ንኣይነን ኢጐነትን ዘይኰነ ኣብ ሱታፌን ምትሕብባን ኣብ ምግምማዕን ዘይኰነ ኣብ ፍቕርን ምዃኑ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያናንትና ብጭቡጥ እነስተውዕሎ ርግጸይናነት እዩ፡

ዝበልዎ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ እሰማምዓሉን ከም ናይተይ ሓሳብ እውን ደጊመ አቃልሖ ኢሎም።

ጭቡጥ ምትሕብባ ኣብ መንጐ ክልተኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን

“ምስ ፍቕሩ ሓወይ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዘሎኒ ናይ ሓባር ራእይ፡ ኣብ ናይ ሓባር ሱታፌኣዊ ዕዮ ይትርጐም” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፥ ምትሕብባርን ኣብ መንጐ ክልተኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መገድን ኣግባብን ይንበር፡ ንኣብነት ኣብ እዋናዊ ጊልያነት ምቅዋም ወይ ከኣ ፍጥረን ተፈጥሮን ብጠቕላላ ዘፍትረት ኣብ ምክንኻንን ምክልኻልን ኣብ ድልያ ሰላምን ኣብ ዝብሉ ናይ ሓባር ሱታፌኣዊ ጻዕሪ ይትርጐም።

ኣብ ባሪ ቅዱስ ኣቦና ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በጠለመዎስ ቀዳማዊ ክራኸቡ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም እውን፥ ዕለት 7 ሐምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ምእንቲ እቶም “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝነብርዎ ጽንኵር ኩነት ብምስትንታን ክንጽልይ ኣብ ዝተወሰነ መደብ ምስ ዝሳተፉ ፓሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ክራኸቡ ምዃኖም እንከዘኻኽሩ፥

ኣንሕና ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ንኹሉ ጽፍሕታቱ ብሓባር እንዓየሉን ብሓባር እንጽልየሉን እቲ ካብ ሓዋርያዊ ስብከተ ወንጌል ንኸነስተማቕሮን ንኽንነሮን ዝተቐበልናዮ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ንውህደት ብዝኣመተ ሱታፌ ብጸጋኡ ድሮ ሓደ ዝገበረና ንጸጋ እግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ብሓባር እነበስረሉን ዕድላት ከነራብሖ ሓደራ እብል

ምስ በሉ፥

ልኡካን ፓትሪያርክ ኣብ መጋባእያ ብፁዓን ካርዲናላት ሱታፌ

ልኡካን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርርስቲያን ፓትሪያርክ ዕለት 28 ሰነ 2018 ዓ.ም.  ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ንዓሰርተ ኣርባዕተ ብፁዓን ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ማዕርገ ካርዲናልነት ኣብ ዝሃብሉ ስነ ስርዓት ከምእተሳተፉን፡ ምስ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ከምእተራኸቡን ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምእተሳፉ ንሕብር፡








All the contents on this site are copyrighted ©.