2018-07-03 16:41:00

ር.ሊ.ጳ ስለ ሰላም ኒካራግዋ ሶርያ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጻውዒት ኣቅሪቦም፣


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለቱ ጉባኤ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም ምስ ምእመናን ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ምስ ደገሙ ስለ ሰላም ኒካራግዋ ሶርያ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነዚ ዚስዕብ  ጻውዒት ኣቅሪቦም፣

ንኒካራግዋ ብዝምልከት

‘ንፍቁር ሕዝቢ ኒካራግዋ ዘዕርጎ ዘሎኹ ጸሎት ብምሕዳስ ናይቲ ዓዲ ጳጳሳት ምስ ብዙሓት ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝፍጽምዎ ዘለው ጻዕርን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ኣብ ዝካየድ ናይ ሃገራዊ ዘተ ጉዕዞ ዘካይድዎ ዘለው መንጎኘትን ዝህብዎ ዘለው ምስክርነትን ምስኦም ክሓብር እደሊ፣  ኢሎም።

ንሶርያ ብምዝምልከት ከኣ

‘ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነት ገና ከቢድ እዩ ዘሎ ምናዳ ኣብ ክፍለ ሃገር ደርዓ ኣብዚ መወዳእታ መዓልታት ዝተኻየደ ውግእ ቤትትምህርታትን መዕቆቢ ሕሙማንን ዘጥቅዑሉ በኣሽሃት ዝቚጸሩ ሓደስቲ ስደተናታት ፈጢሩ፣ ነቲ ደጋጊመ ዘቅረብክዎ ጻውዒት ሰላም እንደገና ብምሕዳስ ምስቲ ዘዕርጎ ዘሎኹ አቅርበልኩም፣ እቲ ንዓመታት ብሕሱም ዝተፈተነ ሕዝቢ ሶርያ ካብ እንደገና ዝፍጠር ሥቃይ ንክድሕኑ ጻውዒተይ አቅርበልኩም፣

ንዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣመልኪቶም ከኣ

‘ኣብ መንጎ ብዙሕ ግጭታት ንዝተላዕለት ሓንቲ ተበግሶ ምምልካት ግቡእ እዩ፣ እዛ ታሪኻዊት ከምኡ እውን ሠናይ ዜና ትባሂላ ክትጽዋዕ እትኽእል ዘተ እዚኣ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ድሕሪ ዕሥራ ዓመት መንግሥታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እንደገና ብዛዕባ ሰላም ክዘራረቡ ተመሊሶም፣ እዚ ርክብ እዚ ነዘን ክልተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምሉእ ኣህጉር ኣፍሪቃን ናይ ተስፋ ብርሃን ዝውልዕ ይኹን’ ኢሎም።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.