ማኅበረሰባዊ መርበባት:

ጽማቍ ትሕዝቶ መርበብ:

ሬድዮ ቫቲካን

ምስ ዓለም ዚዋሣእ ድምፂ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያንን

ቋንቋ:

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ \ ርክባትን ፍጻሜታትን

ኣብ ባሪ ንፋስ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ይነፍስ ኣሎ! ሊቀጳጳስ ሰበኻ ባሪ ኢጣልያ

ር.ሊ.ጳ ኣብ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር - AP

04/07/2018 10:29

ንዝመጽእ ቀዳም ዕለት 7 ሓምለ 2018 ዓምፈ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ብመንበረ ሊቀ ጵጵስና ባሪ ሃገረ ጣልያን ክካየድ ብሥምረት ቅዱስነቶም ዝተመደበ ስለ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ዝግበር ኢኩመኒካዊ ኣስተንትኖን ጸሎትን ንምስታፍ ክኸዱ እዮም፣ ብዛዕባ እዚ መደብ እዚ ሊቀ ጳጳስ ባሪ ቢቶንቶ ብፁዕ ኣቡነ ካኩቺ እንኪገልጹ ‘ንኩሉ ዘጠቃልል ፍሉይ ታሪኻዊ ኣድላይነትን ርዝነትን ዘለዎ እዩ’ ኢሎም፣

ድሕሪ ቊሩብ መዓልታት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ምስ ብዙሓት ኣሕሉቅ ቤተክርስትያንን ሓለፍቲ ማሕበረ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅን’ ሓቢሮም ከምቲ ባዕሎም ቅዱስነቶም ኣብ ግዜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ‘ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዕለት ክነሕልፍ ኢና’ ዝበልዎ ኣብ ከተማ ባሪ ክርከቡ እዮም።

እዚ ፍጻሜ እዚ ብቐጥታ ኢኩመኒካዊ ተባሂሉ እንክስመ ሊቀ ጳጳስ ባሪ ቢቶንቶ ብፁዕ ካኩቺ ኣብ መግለጺኦም ‘እዚ ፍጻሜ እዚ ንኩሉ ብዓይኒ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ተመሪሑ ንኩሉን ኣብያተ ክርስትያን ከተሓባብር ፍሉይ ኣተኲሮ ከኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ገሩ ስለሰላም ክምህለል ከምኡ እውን ኣብ ሥቃይ ምስ ዝነብሩ ኣሕዋትና ክርስትያን ቅርበትና ብግብሪ ንክንገልጽ እዩ፣ እዚ ግን ነሕዋትና ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ቤተክርስትያናን ካቶሊካዊ ዓለምን ብዝተኣሳሰር መንገዲ ንፋስ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዘንፍስ ክኸውን ንጽበ፣’ ኢሎም።

ንብፁዕነቶም ቀጺላ ዝቀረበቶም ሕቶ ‘ከተማ ባሪ ኣብ ዕለታዊ ናብራኣ ነዚ ናይ ሓድነት ክርስትያን መንፈስ ብኸመይ ትነብሮ’ ትብል ነራ።

ብፁዕነቶም እንክምልሹ ‘ናይቶም ዝተፈላለየ ሕብረቀለም ኣልባሳት ዘዘውትሩ ኣባላት ዝተፈላለያ ማሕበረ ክርስትያን ንምርኣይን ንምድናቅን ኣብታ ናይ ቀደም ከተማ ባሪ ሰንበት ንግሆ ቅልቅል ምባል ምኣኸለ፣ ኣብ መንጎ ብዙሓት ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ቀደም ከተማ ባሪ ሰንበት ሰንበት ዘቀድሱ ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ጆርጃውያን እንክንዕዘብ እሞ ኸኣ ባዕለይ ንቤተርስትያናትና እዞም ኣሕዋትና ክጥቀሙ ኣፍቂደ፣ ዝሓለፈ ታሕሳስ 2016ዓም ብፁዕን ቅዱስን በርጠለሜዎስ ቀዳማይ ናብ ከተማ ባሪ መጺኦም ነሮም ንሕና ከኣ ብወገና ኣብ ማእከል ከተማ ንዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ልቢ ኣወፊናሎም፣ እንክብሉ ድሮ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ከተማ ባሪ ልሙድ ከምዝኾነ ገሊጾም፣

ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንጉዕዞ ሓድነት ኣብያተክርስትያንን ሓድነት ክርስትያንን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እውን እዚ ጉዕዞ እዚ ደድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኒቆዲሞስ ካብ ጉባኤ ምልስ ምስ በሉ ንመካነ መቃብር ቅዱስ ኒኮላ ንኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋትና ብምኽፋን ኣብኡ እውን ሓንቲ ንእሽቶ ቤተ ጸሎት ከም ሥርዓቶም ክገብሩ ብምፍቃድ እዮም ጀሚሮሞ፣ እዚ ብደረጃ መላእ ዓለም እንክረኤ ንሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዝተገብረ ቀዳማይ ስጉምቲ ነበረ፣ በዚ ከምዚ ዝጀመረ ጉዕዞኸስ ቀጻሊ ዘተ ኣብ መንጎና ከምኡ እውን ኣብተን ኣብዚ ሰበኻ ዝርከባ ወንጌላውያንን ካልኦት ማሕበረክርስትያንን ክድንፍዕ ክኢሉ፣ እንክብሉ ምንቅስቃስ ሓድነት ኣብያተክርስትያንን ሓድነት ክርስትያንን ኣብ ከተማ ባሪ ሓዲስ ከምዘይኮነ ሕጂ ከኣ ቅዱስነቶም ነዚ ኣብዚ ዕለታት ዝግበር ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ግዜ ኣብ ከተማ ባሪ ክኸውን ምምራጾም ብሓቂ ደስ ከምዝበሎም ገሊጾም፣

 

04/07/2018 10:29