2018-07-07 18:13:00

ሰንበት ዘክረምት ሓምለ 1 2010 ዓ.ም. (7/8/2018)


ንባባት፡ 2 ቆሮ 12፡ 710፥ ያዕ. 5፡12-ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡6-15፥ ማር 6:1-7 ምስባክ፡ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር፥ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። “ ንሰማይ ብደመና የጎልብቦ፥ ንምድሪ ዝናም የሰናድወላ፥ አብ ጎቦታት ሣዕሪ የብቁል”። መዝ. 147፡8።     መዝሙር፡ ዝናም የድምጽ እሞ እንኪዘንም ጥሙያት ይጸግቡ ድኻታት ይሕጎሱ. . . ንሰንበት ብሰላም ቀደሳ አብ ዓዓመት ክረምቲ ይኸፍተላ።

ዘሎናዮ እዋን ክረምቲ እዩ ከምዚ ሎሚ ዋሕዲ ዝናም ከይበርትዐ ወርኂ ሓምለ ብግሜን ጥፍጢፍታን ከፍዕን እዩ ዝፍለጥ ነሩ። ክረምቲ ወላእኳ ብኹሉ ክቢድ እንተ ኾነ ናይ ተስፋን ሓጎስን እዋን እዩ። ሓረስታይ ይኹን ካልእ ንመጻኢ ዓመት ዝኸውን እኽልን ካልእ ዘድልን ነገራት ዋሕስ ዝረኽበሉ ስለ ዝኾነ ፍሉይ እዋን እዩ። ምስ መንፈሳዊ ሕይወትና ክነዛምዶ ከሎና አምላኽ በብእዋኑ ክንርድኦን ክንሰምዖን ኢሉ ምልክታት ይህበና። ዝናም በረኸትን ጸጋ አምላኽን ዘዘኻኽር እዩ። ሎሚ እውን በረኸት አምላኽ በብእዋኑ ይውሃበና አሎ እቲ ጸገም ክንርእዮ ዘይምኽአልና ጥራሕ እዩ። አብ ቤትና አብ ማእከልና ዝተፈላለየ ተአምራት እናተገብረ እንከሎ ስኣን ምርአይናን ምልላይናን ጸጋታት ይሓልፈና አሎ ስለዚ ክንርኢ ፍቓደኛታት ንኹን። 

ንኢየሱስ ምፍላጥ፥

ወንጌል ኢየሱስ ናብታ ዝዓበየላ ዓዲ ናብ ናዝሬት ምስ አርድእቱ ከይዱ፥አብኡ ከም ኩሉ ጽኑዕ አማናይ አይሁዳዊ አብቲ ቤተመቕደስ ብሰንበት ሰቢኹ፥ ደቂ ዓዱን አብኡ ብዝነበሩን ብስብከቱ ብዕሞቕ ፍልጠቱን ዘረባኡን ብዝገበሮ ተአምራታቱን ብኹሉ ብዙሕ ተገረሙ።

ካብ ኩሉ ዝገረሞም ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጡ ስለዝነበሩ እዩ፥ ንሱ ወዲ ዮሴፍ ጸራባይ ወዲ ማርያም ኩሎም አዝማዱ ምስኦም ዝነብሩ ዝፈልጥዎ ብሓንሳብ ምስኦም ዝዓበየ ስለ ዝኾነ ምቕባሉ አብዮም። ንሶም ነቲ ብንእስነቱ ዝፈልጥዎ፥ነቲ ቅድም ዝርእይዎ ዝነበሩ ጥራሕ ይርእዩ ነሮም ስለዚ ክቕበልዎ ጸጊምዎም። ብዙሓት አብ ደቂ ሰብ ንኢየሱስ በቲ ቀደም አብ ንእስነቶም ብዝቐሰምዎ ትምህርቲ ዝፈልጥዎ ይመስሎም ሽዑ ንፈልጦ ይብሉ ስለዚ ነቲ ናይ ወንጌል ኢየሱስ ዘይኮነስ ንሶም ዝፈልጥዎ ኢየሱስ ይደልዩ። ንሓደ ነገር ከም ልምዲ ገርካ ምስ እትወስዶ ጥቕሙን ሓቀኛ ትርጉሙን ተጥፍኦ። ኢየሱስ መን ምዃኑ ክትፈልጥ መንነቱ ክትፈልጥ አሎካ። ሓቀኛ ነብይ ክተለሊ ቀሊል አይኮነን ምኽንያቱ ገለ ሰባት ብስም አምላኽ ዘስተምህርዎ ንርኢ ሽዑ ሓቅነቱ የጸግመና።

እዞም ደቂ ዓዱ ንኢየሱስ በቲ ዝነበሮም ናይ ንእስነቱ ፍልጠት ነቲ ሓቀኛ መንነቱ ወላእኳ ዝገበሮ ተአምረት እንተ ረአዩ ምእማን አብዮም። ንአኦም ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ ወዲ ማርያም ከም ማንም ወዲ ዓዶም እምበር መድኃኒ ፈጣሪ ምዃኑ ጌና ክፈልጥዎ አይከአሉን። አብ ቅድሚኦም ንዘሎ ሓቂ ክርእዩ አጽጊምዎም ሽዑ ኢየሱስ ሓዲግዎም ከይዱ። 

ንሕና ካብ ሰብ ናዝሬት ዝተፈለና አይኮናን፥ ተመሳሰላይ ነገራት ኩሉ ግዜ ይገጥመና እዩ። አምላኽ ብሰባት ብእንፈልጦም ይዛረበና፥ ብዝገጥመና ነገራት ይዛረበና፥ በቲ አብ ከበቢና ዝርከብ ነገራት ይዛረበና። ደጋጊምና ድምጹ አይነላልይን ምኽንያቱ በቲ ንሕና ብዙሕ እንፈልጦ ገሩ ስለ ዝዛረበና ገለ እዋን እውን ብዘይንፈትዎ ገሩ ይዛረበና ገለእዋን እውን ብዘይንፈልጦም ሓዲስን ጋሻ ነገር ገሩ ይዛረበና። ንሕና ግን ንመልእኽቲ አምላኽ ክነላሊ የጸግመና። ክትርኢ ዓይኒ ሕልናኻ ክትከፍት ይግባእ። ሓቀኛ አማናይ ሰብአዊ ድኽመቱ ይእመን እዩ። ድኽመትና ካብ ምእማን አይዓግተናን እዩ። 

ኢየሱስ ብሰንኪ ዕውረቶም ሓንቲ ካብቲ ዓበይቲ ነገራት ዝገብሮ ዝነበረ አይገበረን። ልቦም ካብኡ ዓጽዮም፥ ንሕና ክንደይ ግዜ ልብና ንፍቕሪ አምላኽን ንምሕረት ሓጢአትናን ዓጺና ንኸውን  ምኽንያቱ ክነለልዮ ብፍሉይ ሰብ ወይ ኩነታት ስለ ዘይንደሊ። እንተኾነ አምላኽ በዚ ሰብ እዝን በዚ ተመክሮን ጥራሕ እዩ ክበጽሓና ዝኽእል። ንድርቅና ልቦም ምስ ረአየ ኢየሱስ ነብይ አብ ሃገሩ አይከብርን እዩ ኢልዎም። ጓኖት ንቃላቱ ተቐቢሎም ሰሚዖም እቶም ናቱ ግን ነጺጎሞ። ነዞም ዝነጽጉ እንመልስ ንሕና ኢና። ንሕና ሰበኽቲ ኢና። ኩልና ክንሰብኽ ጸጋ ተዋሂቡና እዩ።

ንጸጋ አምላኽ እንተ ነለሊ ሕይወትና ምቐየርና። ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ህያብ አምላኽን እቲ አስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈልጥስ ንስኺ ምለመንክዮ ነርኪ፥ ንሱ ኸአ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነሩ (ዮሓ 4፡10) እናበለ ንኢየሱስ ብዘይምልላይና እነጥፍኦ ጸጋ ገሊጹልና። ሎሚ እውን ኢየሱስ ክነለልዮ ይደሊ አሎ። ልብና አድሪቕና ብሰብአዊ ስምዒትን ርድኢትን ጥራሕ አይንድለዮ፥ አብ ውሽጢ ሕልናና አቲና አምላኽ ንዝሰደለይ ዘሎ ጸጋን በረኸትን አለሊ ዘሎኹ ኢልና ንርእስና ንሕተት።  

ዕጫ ናይ ሰባኽ ወንገል ወይ ነቢ፥

ኩሎም አብ ስብከተ ወንጌል ዝወፍሩ ከስተውዕልዎ ዝግባእ ነገር አሎ፥ ነብይ ብአምላኽ ንቃል እግዚአቢሔር ክሰብክ ክነግር ዝልአኽ እዩ። ንህዝቢ ቃል አምላኽ ክሰምዑ ዝነግር፥ ሕይወቶም ክልውጡ እሞ አብ ሓቅን ፍቕርን ክምስረቱ ይጽውዕ። አብ ዝሓለፈ ብሉይ ኮነ ሓዲስ ኪዳን እንተ ረኤና ነብያት ብዙሕ ተቛውሞ ይገጥሞም ከምዝነበረ፥ ጽልኢ ገለ እዋን እውን ሞት ይግጥሞም ከምዝነበረ ንፈልጥ። አብ ነብይ ሕዝቅኤል (2፡2-5) ጽቡቕ አብነት አሎና፥ ንሱ ብእግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል አብ ስደት እንከሎዉ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ክነግር ተላኢኹ፥ አምላኽ ብቐሊል መልእኽቱ ከምዘብጽሕ ተስፋ አይኀቦን። ናብቶም ነአይ ዝጠለሙ እስራኤላውያን እልእከካ አሎኹ ናብ ከድዓት ዓልውቲ ገጾም ካባይ ዝኸወሉ ናብኦም እሰደካ አሎኹ ይስምዑኻ ኣይስምዑ እዞም ዓለውቲ አብ መንግኦም ነብይ ከም ዘሎ ክፈልጡ ይግባእ እናበለ ለአኾ።

ከም ሕዝቅአል ነብይ ነፍሲወከፍና ካብ አምላኽ ዝውሃበና መልእኽቲ አሎና። እቲ እሕቶ አበሎ እቲ መልእኽቲ ወይ ተልእኮ? መልሱ ቀሊል እዩ፥ አብዚ እዋን አብ ኩሉ ክበጽሕ ዘለዎ መልእኽቲ አሎ። አብዚ ብዓለማዊ መንፈስን ንሓቂ ብምጥላም ዝበላሾ ዘሎ ዓለምና፥ አብቶም ልቦም ደሪቑ ንፍቕሪ ንሰላም ንምሕረት ምቕባል ዝአብዩ ዘለዉ መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ፥ አብ ስድራና አብ አሕዋትናን አሓትናን ዝበጽሕ መልእኽቲ አሎና። ሎሚ ካብ ዘመናት ብዝልዓለ አንጻር አምላኽ፥ አንጻር ተፈጥሮ፥ አምላኽ ዝሰርዓልና ሕግታትን አንጻር ኩሉ ሞራላዊ ሕይወትን ባህልታትን ዝወረስናዮ እንኸደሉ ዘመን ኢና ዘሎና። ስለዚ ከምቲ አምላኽ ንሕዝቅኤል ዝተዛረቦ ሎሚ ንአና ይዛረበና አሎ ንስምዓዮ።

ሕስብ እንተ አበልና ዘገርም እዩ መልእኽቲ ሓቂ፥ ፍቕሪ፥ርትዒ፥ ነጻነት፥ ሰላም ዝጽውዕ ምንጻግ፥ ብአንጻሩ ጽልኢ ቂምታ ናዕቢ ብዝያዳ ክሰፍን ክትርኢ ከሎኻ። እዚ ኩሉ ጊዜ ዝገጥም እዩ፥ አብ ብዙሕ ክፍለ ዓለም ሓቂ ርትዒ፥ ነጻነት አይፍተዋን እየን ምኽንያቱ እቶም ነዚ ዘይቅበሉ ፍርሕን ስግአትን ስለ ዝፈጥራሎም። ካልእ ዝገርም ዘሎ ገለ ሰባት ናቶም ትርጉም ሂቦም ካብኡ ክርሕቁ ይፍትኑ ወይ ከአ ጨሪሾም ብዛዕብኡ ክሰምዑ አይደልዩን። በዚ እዮም ብዙሓት ክርስትያን ከምኡ ፈተውቲ ሓቂ ምእንቲ ሓቂ፥ ነጻነት፥ መሰል ዝሞቱ። ንአብነት ኩሎም ምእንቲ ሃገርና ዝሞቱ፥ ማርቲን ሉቴር ኪንግ ንማዕርነት ኩሎም ደቂ ሰብ ስለዝመጎተ፥ ማህታማ ጋንዲ ምእንቲ ኩሎም ብዘይ አፈላላይ ሂንዱ ኣስላም ስለዝመጎተ፥ አቡነ ኦስካር ሮሜሮ ንድኻታት ስለ ዝተጣበቐ፥ ኩሎም መይቶም። ደቂ ሰብ ንጽቡቕ አብዩ ንኽፉእን ዘዋርዶን ነገራት ክመርጽ ይቐሎ እዚ ኸአ አብ መገዲ ጥፍአት ዝወስድ እዩ። አብ ርእስና ንመለስ እሞ ንሕተት አብ ሕልናይ ክቕበሎ ዝግብአኒ ግን ነጺገዮ ዘሎኹ እንታይ አሎኒ ኢልና ምስ ርእስና ንዛተ።

ኩልና ነብያት ሓቂ ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና፥

ኩልና ኩሉ ግዜ ክንዝክሮ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ብዝተቐበልናዮ ጸጋ ጥምቀት ምኽንያት ነብያት ክንከውን ጽዉዓት ኢና። ኩልና መልእክቲ ወንጌል ክንዝርግሕ ማለት ንስድራና፥ አብ ሥራሕና፥ አብ መንጎ አብ ዕርኽቱና፥ አብመንጎ ሕብረተሰብና አብ ኩሉ ንስብከት ክንወፍር ትሑዛት ኢና።

ዝገጥመና ብዘየገድስ ንሓቂ፥ንፍቕሪ፥ንርትዒ፥ንነጻነት፥ንመሰል፥ክብሪ ሰብን፥ክንሰብኽን ክንከላኸልን ስንድዋት ክንከውን ይግባእ፥ አብ ገለ ነገራት አብ ዘተ ወይ ስምምዕ ክነእትዎ ዘይንኽእል ነገራት አሎ ገለ እዋን እውን ብሱቕታ ክንሓልፎ ዘይግብአና ነገራት አሎ። ገለ እዋን ንፈርሕ ወይ ከአ ይኸብደና ብቝዓት ከምዘይኮና ይስምዓና ንሓቂ ካባና ነርሕቓ። ነዚ መተባብዒ ዝኾነና ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ክንረኽቦ ንኽእል። ንሱ አብ ተመክሮ ሕይወቱ ገለ እዋን አብ ስብከቱ ብርቱዕ ዕንቅፋትን ፈተናን ይገጥሞ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ንአምላኽ ነዚ ካብኡ ከርሕቖ ይልምን። እንተኾነ ዝተዋህቦ መልሲ ዘገርም እዩ። እቲ ንሱ ይሕግዘኒዩ ኢሉ ዝሓተቶ ክሕግዞ አይምኽአለን። ስለዚ ንኹሉ ድኽመቱ ይቕበል አብ ድኽመቱ ናይ ክርስቶስ ሓይሊን ብርሃንን ብዝያዳ አብኡ የንጸባርቕ። ከምዚ እናበለ ይገልጾ “ነዚ ስቓይ ካባይ አርሕቆ ኢለ ንጎይታ ሠለስተ ሳዕ ለመንክዎ ንሱ ኸአ ኃይለይ ኣብ ድኻመይ እዩ ዝግለጽ እሞ ጸጋይ ይአኽለካ በለኒ ስለዚ ክርስቶስ አብ ልዕለይ ምእንቲ ኺኃድር ብብዙኅ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ እምብአርከስ ምስ ዝደክም ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም ብጸርፊ፥ ብኃሳር፥ ብስደት፥ ብጸበባ እሕጎስ አሎኹ”። እዚ እዩ ናይ ሓቀኛ ተኸታል ክርስቶስ ድምፂ፥ ንሱ ከምተሰባራይ ብጭቃ እተሰርሐ ዕትሮ እዩ፥ ግን ብጸጋ አምላኽ ንኹሉ ይኽእሎ።

ብዘሎና ድኽመት ማለት መንፈሳዊ፥ ስነአእማርዊ፥ ህብረተሰብአዊ፥ አካላዊ ድኽመትና ክንዕገት አይግባእን። አምላኽ መጋበሪ ድሕነት ክንከውን ድላይ እዩ። ንሱ አብ መጎንና ደው ክብል እዩ ሽዑ ዘድልየና ክህበና እዩ። ናይ ቤተክርስትያን ስብከት ብሕጉስ መንፈስ ብህዝቢ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ሽዑ ናይ እቲ ዝሰበኽናዮ ሓቅነትን ፍረን ክንርኢ ኢና።

ሎሚ እውን ኢየሱስ አብ መንጎና አሎ። ጠለት ክረምትን ዝርአ ዘሎ ናይ ሰላም መዝሙርን ናይ እዋና ምልክት ህላዌ አምላኽ አብ መንጎና ገርና ክንወስዶ ንኽእል። ተቐበልቲ ሓቅን ሰላምን ኮና ንንጉሠ ሰላም ልብና ንኽፈተሉ። ዕጹው ልቢ አብኡ ምሕረት ሰለ ዘይርከብ ኩልና ብፍላይ ነቶም ልብና ዓጺናሎም ዘሎና ንኽፈተሎም ልዕሊ ኹሉ ኸአ ነቲ ፍቕሪ ዝኾነ አምላኽ ልብና ንኽፈተሉ።

አብ ጉዕዞ ጸገማት ክጓነፈና ባህርያዊ እዩ ብጸገም ከይተሰነፍና አብ ጸጋ አምላኽ አሚና ኦ ፈቃር አምላኽ ክንሰምዓካን ንኹሉ መልእክትታትካ ሰሚዕና ክንክእል ሓግዘና ብፍሉይ ጸጋ ሰላምን ርሑስ ክራማትን ሂብካ ሕጉስ ሕይወት ኢልና ብምሉእ ልብና ንጸሊ።

ኦ ኪዳነ ምህረት አደና ኩሉ ጊዜ ጠበቓና ኢኺ እሞ ንወድኺ ልምንልና ንበላ።

 

አባ ንጉሠ ፍሥሓ

         

 








All the contents on this site are copyrighted ©.