2018-07-07 17:14:00

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ኣብ ባሪ፡ ቅዱስ ኣቦና፥ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባሪ፥ ጸሎት ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ፡ “ንጐይታ ሰማየ ሰማያት እታ ሓያላት ምድሪ  ከረኽብዋ ዘይከኣሉ ሰለማ ክህበና ብሓባር ምእንቲ ሰላሙ ክህበና ንጸልይ”

ስምዖን . ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምስ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ብሓባር ኣብ ባሪ፥ “መሳኹትና ናብ ማእከላይ ምብራቕ ገጹ ጋህ ኣቢልና ንኽፈት” ኣብዛ “ናይ ርክብን እንገዳን” ከተማ ይብሉ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም እንከበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ኣስዒቦም እውን፥ “ኣብ ልባትና ኣቢያተ ክርስቲያናትናን ሕዝብናን ነቲ ዓቢይ ናይ ስቓይ ኩነት ዝነብር ሕዝቢ ሒዝና ንቕረብ” ኢሎም።

ኣብዚ ኣብ  ከተማ ባሪ ሉንጐ ማረ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ስፍራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ “ኣእምሮናን ልባትናን ናብ ማእከላይ ምብርቕ ኣቢሉ፡ ኣብዛ ምዕራብን ምብራቕን መራኽቦን ናይ ዓበይቲ ኣብ ሓደ እግዚኣብሔርነት ዝኣምና ሃይማኖታት ምንጪ ዝዀነት ከተማ ብሓባር ክንጽልይ ንርከብ”

በቲ ለውሃት ምሕረት ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ጸሓይ በሪቑ ኪበጽሓና እዩ (ሉቃ. 1,78) ካብኡ ከኣ ንመላእ ዓለም ናይ እምነት ብርሃን በረቐ፡ ኣብኡ ድሙቕን ሓድሽን መንፈሳዊነትን ገዳማውነትን ፍልፊሉ፡ ኣብኡ ፍሉይ ዝዀነን ኣዚዩ ሃብታምን ስርዓት ሊጡርጊያን ቅዱሳት ኣሳእልን ቅብእን ቲዮሎጊያን ዓምቢቡ፡ ኣብኡ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ኣበው ዝረከበዎ ናይ እምነት ውርሻ ዝተዓቀበሉ፡ እዚ ባህሊ ብኹሉ ሓይልና ክንዕቅቦ ዝግብኣና ሃብቲ እዩ፡ ስለምታይ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ኵላትና መንፈስ ኣናስር ስለ ዝዀነ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽዑቕ ጸልማት

ኣብቲ ዘደንቕ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ማእለያ ዘይብሉ ዘዕንው ምልክታ እውን ዝረኣየሉ ብምዃኑ ብሓቂ የሕዝን፡

ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ንነጀው መላእ ከባቢ ዝኸድን ጽዑቕ ጸላም፡ ውግእን ዓመጽን ውድመትን ወረራን ክልኦት ዝተፈላለየ ጸንፋውነትን ክረትን፡ ካብ ዘይድላይ ዝነቐለ ጸዓት ስደትን ተሓዳግነትን ዝኣመሰሉ፡ ተዓዛብነት ዝሕለፍ ብተዘዋዋሪ ኵሉ ተሓታቲ ዝገብርንማእከላይ ምብራቕ ናይ ተቐማጢ ሕዝቢ ቤት ዘይኰነስ ቤትን ንብረቱን ዛሕዚሑ ናይ ዝስደድ ሕዝቢ ሃገር ይኸውን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ህላዌ ናይቶም ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እምነት ዝሕከኸሉን ናይ ሃይማኖት ወጅሂ ዝጽየቐሉን ኵነት ዝረኣየሉ ይኸውን ኣሎ፡ ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕ ክኸውን ዘይከኣል እዩ።

ክርስቲያን ብርሃን ዓለም እያቶም

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ መድረኽ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ትርኢት እናሓሰቡ፡ ክርስቲያን ብርሃን ዓለም እያቶም፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ብርሃን ምዃን ኣብ ዙርያኻ ኩሉ ዅሉዕ ኣብ ዝኸነሉ እዋን ዝረአይ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ጸላም ታሪኽ ኣብ ዘለሉ ኵሉ ነቲ ደልሃማት ኢዱ ነከይሃበ ነቲ ናይ ተስፋ ሽምዓ ፈትሊ ብጸሎትን ብፍቕርን ዘብርህ ምስ ዝዀውን እዮ፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ምስ ገለጺ ምእንቲ ሰላም እንክጽልዩ፡

ብሓባር ንጐይታ ሰማየ ሰማያት ነቲ ሓያላት ምድሪ ሎሚ ኣውን ክረኽብዎ ዘይከኣሉ ሰላም ክህበና ንለምን፡ ካብ ወሓዛይ ናይል ክሳብ ሩባ ዮርዳኖስን ካልእን፡ ብምብርቕ ኣቢሉ ክሳብ ወሓይዝ ጠግሮስን ኤፍራጥስንኣብ ልዕሌኺ ሰላም ይኹነልኪ’ (መዝ. 122,8) ዝብል ቃል ይቃላሕ፡ ንዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ንኹሎም ብጾትን ሕዝብታትን ኣመንትን፡ ኣብ ልዕሌኻ ሰላም ይኹን ንበል! ከም ዘማራይ ዳዊት ኢየሩሳሌም እታ ፍቕርቲ ከተማ እግዚኣብሔር ሎሚ ብፍጥረት ሰብ ትደምን ሎሚ እውን ጐይታ ስሌኣ ዝነብዓላ ከተማ፡ ኣብ ልዕሌኺ ሰላም ይዅን! ቢላን ንጸልይ

ሰላም ይዅን

ቅዱስ ኣቦና “ሰላም ይኹን” ዝብል ቃል ደግሚሞ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል የቃልሑ፡ እዚ እዩ ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ ጽልእን ሞትን ዝጻረር ጸሎት፡

ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ይቐትል፡ ኣንሕና እቲ ዝቐትል ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ንቃወም ድምጺ ንኹን፡ ነቲ ድምጺ ዘይብሉን ንብዓቱ ኣብ ውሽጡ ዝሕዝን ናብ ውሳጤኡ ንዘፍስስ ድምጺ ንኹን፡ ስለምንታይ ማእከላይ ምብራቕ ገሊኡ ብሱቓታ ክነብዕን ክሳቐን ካልኦት ሓይልን ስልጣንን ሃብትን ንኸካዕብቱ ይረግጽዋ፡ ንነእሽቱን ገርሄይናታትንን ንዝቖሰሉን ነቶም ኵሎም እግዚኣብሔር ጸግዖም ዝዀኖም፡ ኵላትና፡ ስሌኦም ሰላም ንለምን፡ ሰላም ይዅን!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ዝረባን ጸሎትን ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.