2018-07-13 18:07:00

እምነት ካብ ሓራ ምውጻእ እምበር ካብ ክንግብሮ ዝግበኣና ጉዳያት ክጅምር የብሉን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ቅድሚ ናብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገብርዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብጽሙማን ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣመሪካ ተበግሶ ኣመሪካታት ማለት ደፍ ካቶሊክ ዩዝ ኢኒሻቲቭ ኦፍ ዘ ኣመሪካስ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተቀቢሎም ምውቅ ተቅባሎም ጌሮምሎም፣ እዚ ጉጅለ እዚ ‘ምስ ኢየሱስ ናይ ምጒዓዝ ግዜ’ ብዝብል መንፈሳዊ ንግደት ዝወጠንዎ ጉዕዞ ብምዃኑ ቅዱስነቶም `እዛ መንፈሳዊ ንግደትኩም ኣብ ፍቅሪ ክርስቶስን ኣብ ነንሕድሕድኩም ንምፍቃርን ንክትዓብዩ ክሕግዘኩም ጸሎተይ እዩ፣ ዝኾነ ኣካላዊ ጸገም ንዘለዎ ጐይታ ንነፍሲወከፍ ኣብ ልቡ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ ከምኡ እውን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልቡ ፍሉይ ቦታ ንኣኹም ኣለዎ፣ ኣብ ሮማ ተሕልፍዎ ግዜ ብመንፈሳውነት ከሀብትመኩም ከምኡ እውን ንእግዚብሔርን ንኩሎም ደቁን ንዘሎኩም ምስክርነት ፍቅሪ ከሐይሎ ዓቢ ተስፋ ኣሎኒ፣ ጉዕዞኹም ቀጽሉ፣ ሓንቲ ነገር ክሓተኩም በጃኹም ምእንታይ ጸልዩ፣ ንኩሉኹም ከኣሊ ኩሉ ብብዙሕ ጸጋ ይባርኽኩም፣ እንክብሉ ቃል ሰላምታኦም ኣቅሪቦም፣

‘ካብታ እግዚኣብሄር ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኰይኑ እንተ ዀነ፡ ወይ ነዚ ዚመስል ተሰሚዑ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቐዳሞት ዘበናት ጠይቕ።  ከምዚ ንስኻ ዝሰማዕካዮ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኺዛረብ ቃሉ ዘሰምዔ፡ ብህይወት ከኣ ዚነብር ህዝቢዶ ኣሎ፧ ወይ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፡ መጺኡ ብፈተናን ብትእምርትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓብዪ መፍርህን ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንእኡ ዚኸውን ህዝቢ ኺወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፧ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንኣኻ ተራእየካ።  ምእንቲ ኺምህረካ፡ ካብ ሰማይ ድምጹ ኣስምዓካ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ሓዉ ኣርኣየካ፡ ቃላቱ ድማ ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕካ።’ (ዘዳ 4.32-35)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝገበርናዮ ናይ ሎሚ ትምህርተክርስቶስ እውን ኣብ ክልተ ቦታ ማለት ብዙሓት ሕሙማት ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ 6ይ ዘለው ካብ ምውቀት ንክንከላኸለሎምን ክጥጠሓሎምን ኣብኡ ኣለው፣ ኮይኑ ግን ነዚ ትምህርቲ ብቪድዮ ክከታተልዎ እዮም ንሕና እውን ምስኦም፣ ስለዚ ሓንቲ ትምህርተ ክርስቶስ ጥራይ እያ ዘላ፣ ሰላም ንበሎም፣ ነቲ ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚብሔር ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትና ከምዝተመልከትናዮ ትእዛዛት ዘይኮኑስ ቃላት እግዝብሔር ኮይኖም ሕዝቡ ጽቡቅ ምእንቲ ክጐዓዙ ብፍቅሪ ንደቁ ዝሃበን ቃላት እየን፣

እተን ዓሠርተ ቃላት ክምዚ ክብላ ይጅምራ ‘ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።’ (ዘጸ 20.2) እዚ እዚ ምጅማር እዚ ነቲ ዘሎ ሕግታትን ንዝስዕባ ሕግታትን ፍልይ ዝበለ ይመስል፣ ኮይኑ ግን ከምኡ ኣይኮነን።

እግዚአብሔርሲ ንምንታይ እዩ ነዛ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ ሓርነትን ዝእውጅ? ኢልና ምስ እንሓትት ኣብ ጎባ ሲናይ ዝተበጽሓሉ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ኣቋረጹ ኮይኑ ኣምላከ እስራኤል መጀመርያ የድሕን ደሓር ምትእምማን ይሓትት። (ኣብ ባህሊ ትምህርቲ መማህራን ሕጊ ዕብራውያን እዘን ዓሠርተ ቃላት እዚኤን ስለምንታይ ኣብ መቅድም ሓምስቱ ብሔረ ኦሪት ወይ ቶራሕ ዘይተጻሕፋ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ታሪኽ ኣሎ፣ ሓደ ገዛኢ ናይ ሓንቲ ከተማ ንነበርታ ኣኪቡ ከመሓድረኩምዶ እኽእል ኢሉ ምስ ሓተቶም እንታይ ዝገበርካልና ኢኻ ገዛኢ ክትከውን ይብልዎ፣ ሽዑ እቲ ሰብ ነታ ከተማ ዕርዲ ሰርሓላ ማይ ዝሰትዩሉ ዛላታት ሓነጸ ወራሪ ምስ መጸ ከኣ ስለኦም ተዋግኤን ተኸላኸለን፣ ኣብ መወዳእታ ሕጂኸ ገዛኢኹም ክኸውንዶ ኢሉ ነቶም ነበርቲ ምስ ሓተተ ‘እሺ ሕራይ’ በልዎ፣ በዚ ከምዚ ኸኣ ጐይታ ንሕዝበ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጽኦም ቀይሕ ባሕሪ ከፊ ኣሳገሮም መና ቀለቦም ካብ ኰውሒ ማይ ኣውሓዘሎም ሥጋ ረጋቢት ቀለቦም ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኣማሌቃውያን ክንዳኦም ተዋጊኡ ኣሸነፈሎ፣ ነዚ ኩሉ ገሩ ገዛኢኹም ክኸውን ትደልዩኒዶ? ኢሉ ምስ ሓተቶም እሺ ሕራይ በሉ` ዝብል ታሪኽ ኣሎ) በዚኸስ ትእዛዛት ዐሠርቱ ቃላት ብልግሲ እግዚአብሔር ይጅምር። መጀመርያ ከይሃበ እግዚብሔር ፈጺሙ ኣይእዝዝን፣ ፈጺሙ! መጀመርያ የድሕን ብቀዳምነት ይህብ ደሃር ይሓትት፣ ኣቦናኸስ ከምዚ እዩ፣ ኣምላኽ ሠናይ እዩ።

ነታ ‘ኣነ እየ ናትካ ኣምላኽ’ ናይ እትብል ኣዋጅ ኣድላይነት በዚ ንርዳእ፣ ኣብዚ ኣዋጅ ናይ ዋንነት ናይ ሓደ ርክብን ዝምድናን ምትእስሳር ኣሎ፣ እግዚብሔርሲ ሓደ ዘይፍሉጥ ኣይኮነን ናትካ ኣምላኽ እዩ፣

(ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ደዩስ አስት ካሪታስ እግዚብሔር ፍቅሪ እዩ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ቊ.17

እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ዛንታ ፍቕሪ ነዚ የጠቓልል፣ ስለ’ዚ ካብ ሕጂ ንድሓር ድላይ-እግዚኣብሔር ነኣይ ባዕዲ ነገር ኣይኮነን፥ ብግዳም ዚመጽእ’ሞ ኣብ ልዕለይ በስገዳድ ዝተኣወጀ ዘይኮነስ፤ ደጊም እቲ ድላዩ ድላየይ ኮይኑ እዩ፤ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ሕጂ ነኣይ ብዝበለጸ ዕምቈት ህልው ኮይኑ፤ ካብ’ቲ ኣነ ንርእሰይ ህልው ዝኾንክዎ ንላዕሊ’ውን ህልው ከምዝኾነ ኣብ ዚገልጽ ኵነት ዝተመሥረተ እዩ፣ ሽዑ እምበኣር ርእስኻ ናብ ኣምላኽ ምቕራብን ምምሕጻንን ይውስኽ፤ እግዚኣብሔር ድማ ታሕጓስና ይኸውን’ ኢሎም ይገልጽዎ)።

እዚኸስ ንኩሉ ዓሠርተ ቃላት የብራህርህ ንምሥጢር ኣሰራርሓ ክርስትያን እውን ይገልጽ! ምኽንያቱ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ከምቲ ኣቦ ንዓይ ዘፍቅረኒ ኣነ ከኣ ንዓኹም ኣፍቀርኩኹም’ (ዮሐ 15.9) ከምዝበሎ እዩ፣ ክርስቶስ በኣቦ ዝተፈቅረ እዩ በቲ ፍቅሪ እቲ ከኣ የፍቅረና፣ ንሱ ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን ዝነቅል እንታይ ደኣ ካብ እግዚብሔር ኣቦ እዩ ዝነቅል፣ ብዙሕ ግዜ ተግባራትናን ሕልምታትናን ፋሕ ይብሎም ይፈሽሉ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ክንዲ ካብ ጸጋ እግዚብሔር ንነቅል ካብ ገዛእ ርእስና ስለእንነቅል እዩ፣ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝብገስ ኣበይ ይበጽሕ! ኢልና እንተሓተትና  ኩሉ ግዜ ኣብ ገዛእ ርእሱ ይተርፍ እዩ እቲ መልሱ፣ ክጐዓዝ ኣይክእልን ዕንኪሊል ኢሉ ኣብታ ዝነበራ ይምለስ! ነዚ ናይ ንኣይ ይጥዓመኒ መንፈስ ከም ዋዛ እንክንገልጾ ‘እቲ ሰብ እትስ ኣነ ጥራሕ እዩ ዝብል እዩ ዝተርፍ።

ሕይወት ክርስትናከስ ቅድሚ ዝኣገረ ንናይ ሓደ ለጋስ ኣቦ ዝግበር ናይ ጸጋ መልሲ እዩ፣ ግድነትን ትእዛዛትን ጥራይ ዝሕልው ክርስትያን ናይቲ ኣቦና ዝኾነ እግዚብሔር ግላዊ ተመኲሮ ርክብ ከምዘይብሎም ይኸሱ፣ ኣነ ነዚ ክገብር ኣሎኒ! ከምዚ ክገብር ኣሎኒ! ወዘተ እናበሉ ክገብርዎ ዘለዎም ግድነታት ጥራይ ይሓስቡ! ኮይኑ ግን ገለ ዝጐደለ ኣሎ! ካብዚ ክገብሮ ኣሎኒ ዝብልዎ ግቡኣት መሠረታዊ ኣየን ኮን ይኸውን! ብወገነይ መሠረት ናይዚ ኩሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ክኸውን ኣለዎ! መጀመርያ ይህበካ ዳሓር ከምዚ ግበር ክብል የዘኻኽረካ! ኣብ ጉዕዞ እምነት ቅድሚ ርክብ ሕጊ ምንባርከስ ኣይሕግዝን፣ ካብ ሓርነት ዘይኮነስ ካብ ግድነታትን ግብኣትን ተጽዕኖን እንተደኣ ነቂልና ከመይ ኢሉ ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ክኸውን ይኽእል? ኮይኑ ግን ክርስትያን ምዃን ማለት ጉዕዞ ሓርነት እዩ፣ ትእዛዛት እግዚአብሔር ካብ ኣነነት ሓራ የውጽኡኻ፣ ነዚ ምኽንያት ዝኾነካ ኸኣ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ ንቅድሚት ዘገስግሰካ። ኲስኰሳ ክርስትያንከስ ኣብ ሓይሊ ናይ ድላይ ዘይኮነስ ንድሕነት ኣብ ምቅባልን ንክተፍቅር ምፍቃድን እዩ ዝምሥረት! መጀመርያ ቀይሕ ባሕሪ ደሓር ጎቦ ሲና፣ መጀመርያ ድሕነት! እግዚአብሔር ሕዝቡ ኣብ ቅየሕ ባሕሪ የድሕን ደሓር እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ኣብ ጎቦ ሲና ይነገሮ! ኮይኑ ግን እቲ ሕዝቢ እቲ ነዚ ነገራት እዚ ይፈልጦ ከመይ ብሓደ ኣፍቃሪ ኣቦ ከምዝደሓነ ይስቈሮ እዩ፣

ብመንፈስ ቅዱስ ዝተበጽሔ ልቢ ዘቅርቦ ዋና ምልክት ምስጋና ኮይኑ ንእግዚአብሔር ንክትእዘዝ መጀመርያ ንዝገበረልካ ሠናይ ነገር ምዝካር የድሊ፣ ቅዱስ ባሲልዮስ ‘ከምዚ ዓይነት ሠናይ ነገራት ክርሳዕ የብሉን ወትሩ ናብ ሠናይ መለኮታዊ ሓይልን ዝኾነ ናይ ጽድቂ ሥራሕን ተቅንዕ።’ ይብል ኣብ ሓጸርቲ ሕግታቱ ቊ.56. እዚ ኩሉ ናበይ የብጽሓና እንተኢልና ተዝካር ክንገብር እዩ መልሱ፣

(ቅዱስነቶም ብ7 ጥቅምቲ 2014 ዓምፈ ኣብ ቤተጸሎት ማርታ ኣቅሪቦሞ ዝነበሩ ስብከት ጸሎት ማለት እንታይ ማለት እዩ! ኢሎም ይሓቱ እሞ ጸሎትሲ ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ታሪኽና ምዝካር እዩ! ከመይ ታሪኽና ታሪኽ ፍቅሪ እግዚብሔር ኣብ ሕይወትና እዩ፣ ምርሳዕ ናይ ኩሉ ሕማቅ ነገራት ምንጪ እዩ ኢሎም ነሮም)  እግዚብሔር ንነፍስ ወከፍና ክንደይ ጽቡቅ ነገራት ገሩልና! ሰማያዊ ኣቦና ክሳብ ክንደይ ለጋስ ከምዝኾነ እሞ ረኣዩ! ሕጂ ንእሽቶ ምንቅስቃስ ሓንጎል ብጸጥታ ነፍሲ ወከፍ ብልቡ ነዚ ክገብር ምደልኹ! እታ ሕቶ እግዚብሀኢር ኣባይ ክንደይ ጽቡቅ ነገራት ገሩ! ትብል ኮይና ነፍሲወከፍና ብጸጥታ ይመልስ! እግዚብሔር ክንደይ ሠናይ ነገራት ገይሩለይ! እግዚብሔር ዝጸገወና ሓርነትከስ እዚ እዩ፣ ብዙሕ ሠናይ ነገራት ይገብር ሓራ ኸኣ የውጽኣና።

ተጻይ ናይዚ እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ! ናይቲ ሓራ ዘውጽእ ተግባር እግዚብሔር ተመኲሮ ጨሪሹ ዘይስምዖ እውን ክህሉ ይከኣል እዩ፣ ምናንልባት ናብ ገዛእ ርእሱ ናብ ሕልናኡ ተመሊሱ ክፍትሽ እንተፈተነ እንትርፎ ግቡእካ ምፍጻም እንትርፎ ናይ ባርነት መንፈሳውነት ናይ ውሉድነት መንፈሳውነት ዘይስምዖ ክህሉ ይከኣል፣ ከምዚ ኩነት ምስ ኣጋጠመ እንታይ እዩ ዝግበሮ! እንትርፎ እቲ ሕሩይ ሕዝቢ እስራኤል ዝገበሮ ምግባር ካልእ የለን፣ ኣብ ኦሪት ዘጸአት ‘ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉስ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዔ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ፡ ኣምላኽ ከኣ ሃልዋቶም ፈለጠ።’ (2.23-25) ይብል። ማለት እግዚብሔር ብዛዕባ ይግደስ እዩ ማለቱ እዩ።

ኣብ ምጅማር ዓሠርተ ቃላት ማለት ትእዛዛት እግዚአብሔር ተዘርዚሩ ዘሎኸስ እዚ ናይ ምሕራር ተግባር ነዚ ቊዘማ እዚ መልሲ እዩ፣ ባዕልና ንገዛእ ርእስና ክነድሕን ኣይንክእልን ኢና እንታይ ደኣ ካብና ዝነቅል ሓገዝ ዝሓትት ኣውያት ጥራይ እዩ። ‘ኦ ጐይታ ኣድሕነኒ! ኦ ጐይታ ክኸዶ ዘሎኒ መንገዲ መሃረኒ! ኦ ጐይታ ርድኣኒ ቁሩብ ሓጐስ ለግሰለይ ንበል! ረድኤት ንምልማን ዝግበር ገዓርከስ እዚ እዩ፣ እዚኸኣ ካብና እዩ ማለት ካብ ኣነነት ካብ ሓጢኣት ካብ ሰንሰለት ባርነት ሓራ ንከውጽኣካ ምልማን፣ እዚ ኣውያት እዚ ኣድላዪ እዩ። ጸሎት ንብሎ ከኣ እዚ እዩ። ነዚ እንክንገብር ኣብ ውሽጥና ገና ሓራ ዘይወጸ ክፍሊ ከምዘሎ ንግንዘብ ማለት እዩ። ኣብ ነፍስና ሓራ ዘይወጹ ነገራት ብዙሓት ኣለው፣ ‘ኦ ጐይታ ኣድሕነኒ ሓግዘኒ ሓራ ኣውጽኣኒ’ ኢልና ንግዓር፣ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደስ ዘብል ጸሎት እዩ፣  እግዚብሔር ካባና ነዚ አውያትዚ ክሰምዕ ይደሊ ከመይ ነቲ ኣሲሩ ሒዙና ዘሎ ሰንስለት ክብጥሶ ይደሊ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ጭቆና ክነብር ኣይኮነን ዝፈጠረና እንታይ ደኣ ነጻ ኰና ኣብ ምስጋና ክነብር ነቲ ክንዮ ክንገብረሉ ወይ ክንህቦ እንኽእል እዚ ክንደይ ደስ የብል!  መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ ነዚ ንዓና ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ገና ከኣ ክገብሮ ዘለዎን ብዙሕ ሠናይ ነገር ብሓጐስ እናተኣዘዝናዮ ክነብር እዩ ዝደልየና፣ ስሙ ንዘለዓለም ይባረኽ! እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.