2018-07-16 19:06:00

ዝተጠመቁ ኩሎም ሠናይ ብሥራት ወንጌል ይስበኹ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓምፈ ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ መልአከ እግዚብሔር ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንዕለቱ ኣብ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ተመስሪቶም ክርስትያን ኩሎም ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ብግብሪ ኣርእዩ ሓደራ ዝበሎ ንስብከተ ወንጌል ዝለአኹ ሓዋርያት ክኽተልዎ ዘለዎ መንፈሳዊ ድኽነት ዝዓሰሎ ኣገባብ ክኽተሉን ንዘጋጥሞም ፍሽለት እውን ከይተረፈ ብትሕትና ክቅበሉ ብምንም ዓይነት ናይ ግበረለይ ክገብረልካ መንፈስ ከይሽነፉ ሓደራ ብማለት ዝተጠመቀ ክርስትያን ኩሉ  ንወንጌል ንኢየሱስ ክሰብኽ ግድነት ዘይስምዖ እንተልዩ ጥዑይ ክርስትያን ኣይኮነን ኢሎም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ቤተክርስትያን ንሰንበት ዕለት 15 ሓምለ 2018 ዓምፈ ዝቀረበ ክፍሊ ወንጌል ካብ ማርቆስ 6 ኮይኑ “ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተው ክልተ ናብኡ ጸዊዑ በብኽልተ ገይሩ ኪልእኮም ጀመረ፣ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ድማ ሥልጣን ሃቦም። ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ሳንጣ ኾነ እንጌራ ወይ ገለ ገንዘብ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ፡ ኣሣእን ኣብ እግሮም ኬእትዉ እምበር ክልተ ቐሚሽ ከይኅዙ ኣዘዞም። ከምዚ ድማ በሎም፦ “ካብኡ ክሳዕ እትወፁ፡ ኣብቲ ዝኣቶኹምዎ ቤት ተቐመጡ። ኣብቲ ዘይተቐበሉኹም ወይ ዘይሰምዑኹም ዓዲ፡ ካባኡ ወፂእኩም ንኣኣቶም ምስክር ኪኾኖም ደሮና እግርኹም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ካብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንገሞራን ከም ዚቐለለን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንሳቶም ድማ ወፂኦም ኲሉ ኪንሳሕ ሰበኹ። ስለዚ ብዙኃት ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፣ ንብዙኃት ሕሙማት ድማ ዘይቲ እናቐብኡ ኣሕወይዎም።” ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ትእዛዝ ጐይታ እንደገና ብምድጋም ‘ዝተጠመቁ ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ኣከባቢታት ሕይወት ወኒገል ክሰብኩ ዝተጸውዑ እዩ፣ ዕሱባት ወይ ኣመሓደርቲ ወይውን ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዘመሓላልፉ ዘይኮነስ ብቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ክሕይሉ ኣለዎም፣ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ እንክንምልከቶ ናብ ስብከተወንጌል ዝለኣኽ ሓዋርያ ክርስቶስ ክልተ ቀንዲ ነገራት ክዝክር ኣለዎ፣ እዚኤን ከኣ ዓንዲ ማእከል ተልእኮ ሓደ ሓዋርያ ኢየሱስ ክኸውን ከምኡ እውን ክኽተልዎ ዘለዎ መንገዲ ስብከተወንጌል ናይ ኢየሱስ ገጽታ ኮይኑ እዚ ከኣ ብመንፈስ ድኽነት ክትመላለስ እዩ` እንክብሉ ሕመረት ሰባኬ ወንጌል ኣብ ክርስቶስ ዘተኮረን ብመንፈስ ድኽነት ዝተመርሐን ከምዝኾኑ ገሊጾም፣

ዓንዲ ማእከል ወይ ሕመረት ስብከተወንጌል ኢየሱስ እዩ!

ሓዋርያት ናይ ገዛእ ርእሶም ትምህርቲ ወይ ዝና ክሰብኩ ኣይኮነን ዝተላእኩ እንታይ ደኣ ልኡኻት ኢየሱስ እዮም ዝነበሩ፣ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዙሓት ከምእንሓስቦ ንካህናት ውፉያት ሰበኽቲ ወንጌልን በይኑ ኣይኮነን ዝምልከት ምኽንያት ዝተጠመቁ ዘበሉ ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ኣከባቢታት ሕይወት ንወንጌል ክርስቶስ ክምስክሩ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

እዚ ተልእኾ እዚ ካብቲ ዘይልወጥ መሠረቱ ማለት ኢየሱስ ጥራይ ክነቅል እንከሎ እዛ ተልእኮ እዚኣ ንኩልና እያ ትምልከት፣ እዚ ጸዋዕታ እዚ ናይ ግሊ ኣመንቲ ወይን ናይ ገለ ጉጅለታት ወይውን ዓበይቲ ማሕበራት ተበግሶ ኣይኮነን ካብቲ ምስ ጐይታ ዘለዋ ዘይንቅነቅ ሓድነት ተልእኮ ቤተክርስትያን እዩ፣ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ወይ ናይ ግላዊ ጉዳዩ ብምምልካት ንወንጌል ዝሰብኽ ማንም የለን፣ ነዚ ንምግባር ካብቲ ነዚ ተልእኮ እዚ ካብ ክርስቶስ ዝተቀበለት ቤተክርስትያን ምስ ዚለኣኽ ጥራይ እዩ፣ ሰበኽቲ ወንጌል ዝገብረና ምሥጢራ ጥምቀት እንክኸውን እዚ ስምዒት ስብከተወንጌል ምብሳር ኢየሱስ ዘይስምዖ ዝተጠምቀ ሰብ ንፉዕ ክርስትያን ኣይኮነን፣

መንፈስ ድኽነት!

ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዓሰርቲ ክልተ ክልእኮም እንከሎ ጾር ከየኽብዱ ዘድልን ዘይድልን ከይኣኻኽቡ ካብ ብዙሕ ነገር ይኽልክሎም፣

መምህሮም ዝኾነ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ነጻ ኮይኖም ብዘይ ጾር ብዘይ ጸግዕን ግበረለይ ክገብረልካን ኣብ ፍቅሪ እቲ ለኣኺኦም ዘለዎም ምሉእ ምትእምማን ጥራይ ዋሕሶም ገሮም ብቃሉ ጥራይ ሓዪሎም ናብ ስብከተ ወንጌል ንክጐዓዙ እዩ ኣዚዝዎም፣ በትርን ሳእንን ምልክት ናይ ነጋድያን ኮይኖም ልኡካን መንግሥቲ እግዚብሔር ዝልለዩሎም እምበር ሓደግትን ገበርትን ኣመሓደርቲ ወይውን ንረኣዪለይ ስምዑለይ ዝለኣኹ ፍቅሪ ዘይብሎም ዕሱባት ኣይኮኑን።

ቅዱስነቶም ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ብዙሓት ቅዱሳት እኳ እንተለው ኣብ ሰበኻ ሮማ ስለዘለው ናይ ሰባኻ ሮማ ቅዱሳን ከም በዓል ቅዱስ ፍሊፖስ ዘነሪ ቅዱስ በነደቶ ጁሰፐ ላቭር ቅዱስ ኣለስዮ ቅድስቲ ሉዶቪካ ኣልበርቲኒ ቅድስት ፍራንቸስካ ዘሮም ቅዱስ ጋስፓረ ዘቡፋሎን ካልኦትን ብምዝካር እዚኦም ኩሎም ዕሱባት ወይውን ተዀናተርቲ ከምዘይነበሩ እንታይ ደኣ ትሑታት ኣገልግልቲ መንግሥቲ ኣምላኽ ከምዝነበሩን ነዚ ዝሰማዕንዮ ቃል ወንጌል ቃል ንቃሉ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉን ምንባሮም ድሕሪ ኣዘኻኺሮም፣ ሓንቲ ኣብ ሕይወት ተልእኮ ተጋጥም ፍሽለት ወይ ውድቀት እንብላ ተመኩሮኣ ከባድ ምዃና ምናዳ ሰማዒ እንክትስእን ስደት እንከጓንፍ፣

ተመኲሮ ፍሽለት ወይ ውድቀት! ኣብ ተልእኮ

ልኡኻት ወንጌል ሓንሳብ ሓንሳብ ዝሰምዖም ወይ ዝቅበሎም ክስእኑ ይኽእሉ፣ እዚ ተመኲሮ ፍሽለት ወይ ውድቀት እውን ካልእ ተመኲሮ መንፈሳዊ ድኽነት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም

እቲ ንኢየሱስ ዘጋጠመ ፍጻሜ በቶም ናቱ ምንጻጉን ኣብ መስቀል ምውዓሉን ናይ ሓደ ልኡኹ ክኸውን ዝወሰነ ፍጻሜ የመልክት፣ ምስቲ መይቲ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ምሳኡ ሓደ ምስ እንኸውን ጥራይ ኢና ትብዓት ናይ ስብከተ ወንጌል ክንረክብ እንኽእል፣

እታ ቀዳመይቲ ሓዋርያን ሰባኺት ቃለ እግዚብሔርን ዝኾነት ድንግል ማርያም ንመልእኽቲ ቅዱስ ወንጌል ናብ ኩሉ ዓለም ብመንፈስ ትሕትናን ትብዓትን ብርታዔን ንክነባጽሕ ትሓግዘና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአክ እግዚብሔር ደጊሞም፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.