2018-07-21 19:37:00

ሰንበት ዘጊሜ ሓምለ 15 2010ዓ.ም. (07/22/2018)


ንባባት፡ ኤፈ 1፡3-14፥ ያዕ 3፡13-ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡18-26፥ ማር 6፡7-13   ምስባክ፡ ሐወጽካ ለምድር ወአርወይካ፥ ወአብዛህካ ለብዕላ፥ ፈለገ እግዚአብሔር ምሉዕ ማያት። “ንምድሪ በጻሕካያን አርወኻያን፥ ሃብታ ኸአ አብዛሕካዮ፥ ፈለግ እግዚአብሔር ማይ ዝመልአ እዩ” መዝ. 65፡9።

ዘሎናዮ እዋን አብ ዓድና እዋን ክረምቲ እዩ ምድረ ሰማይ ብግመን ፊግፊታን ጸልሚቱ ጎቦታት ብግመ ተሸፊኑ ሰማይ ብጸሊም ደበና ተኸዲኑ ዝርአየሉ እዋን እዩ። ነዚ አብ ግምት አእትዩ ሉጡርግያና ነዚ ሰንበት “ሰንበት ዘጊሜ” ይሰምዮ። ክረምቲ ብፍላይ አብ ሃገረሰብ አብ ተስፋ ዘሳግር ኮይኑ እምበር ከቢድ እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ክነዛምዶ ከሎና እውን ካብ አምላኽ ከይተፈለና አብኡ ምሉእ እምነት ገርና ብተስፋ እንጉዓዘሉ እዋን እዩ።

ናይ ሎሚ ንባባትና እንተ ረአና አብ ሓደ ዘተኴሩ እዮም ንሱ ኸአ “መጸዋዕታ ወይ ሕርየት አምላኽ” እዚ ኸአ ነቲ ሓዋርያዊ ተልእኮ ቤተ ክርስትያንን ንናይ ነፍስወከፍና ልኡኻቱ ክንከውን ዝተሓረናሉ ዘመልክት እዩ። ሕርየትና ብዕድል ወይ ብአጋጣሚ ዝኾነ ነገር አይኮነን። አምላኽ ድላዩ ኮይኑ ንፍሉይ ዓላማን ተልእኮን ዝመረጸና ኢና። ቤተ ክርስትያን ነዚ መሰረት ገራ አብ ውሽጢ ሕልናና አቲና ፍሉይ ሕቶታት ንርእስና ክንሓትት እሞ መልሲ ክንህብ ትደልየና። “እንታይ እዩ ዓላማ አምላኽ ንአይ ልኡኹ ክኸውን ዝሓረየኒ?” ነቲ ዝተሓረኽዎ ዓላማኸ ብግቡእዶ እፍጽሞ አሎዅ?

አብ ብሉይ ኪዳን አምላኽ ንፍሉይ ዓላማ ንሰባት አብቲ ንሱ ዝደልዮ ክዓዩ ከምዝሓሪ ብንጹር ንረክብ። አብርሃም ካብ ዓደብኡ ክወጽእ አብቲ ንሱ ዝህቦ ዓዲ ክኸይድ ከምዝነገሮ ንረክብ። ሙሴ ጓሳ ኮይኑ አብ እምቦ ሆሬብ እንከሎ አብ ግብጺ ከይዱ ንህዝቡ ካብ ባርነት ከውጽኦም ክልአኮ ነጊርዎ። ንዳዊት ንጉሥ ካብ ኩሎም አሕዋቱ ዝንአሰ ከንሱ ንጉሥ ክኸውን መሪጽዎ። ሳሙኤል፥ ኤርምያስ፥ ከምኡ ካልኦት ነብያት ኩሎም አምላኽ ንፍሉይ ነገር ክገብሩ ሓርዩ ልኢኽዎም። አብ ነብይ ሆሴዕ 7፡12-15 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ንሆሴዕ ድኻ ሓረስታይ ካብ ደቢባዊ መንግስቲ ይሁዳ ንሰሜን አብ መንግስቲ እስራኤል (ኤፍራይም ዝብል ስም እውን ይውሃቦ እዩ) ከይዱ አብ መገዲ አምላኽ ክምለሱ ክነግሮም ሓርይዎ። በቲ እዋን መንግስቲ እስራኤል አብ ክልተ ተመቒሉ ነሩ ሰሜናዊ እስራኤል፥ ደቡባዊ መንግስቲ እስራኤል ተባሂሉ ተኸፊሉ ነሩ። ሆሴዕ ማንም ሓረስታይ እዩ ነሩ አምላኽ ግን ሓርይዎ ነቶም አብ ሰሜን ዝነበሩ ነብያት በቲ እዋን አይሓረዮምን ንሆሴዕ ግን አብ ሰሜን ከይዱ አብ አምላኽ ክምለሱ ክነግሮም ልኢኽዎ።

አብ ሓዲስ ኪዳን ማርያም አደ አምላኽ ክትከውን ብአምላኽ ተሓርያ፥ 12 ሓዋርያት አብ ሰስርሖምን መነባብርኦምን እንከለዉ ኢየሱስ ስዓቡኒ ገፈፍቲ ሰብ አብጻሕቲ ብስራተ ወንጌለ መንግስቲ ኽገብረኩም እየ እናበለ ሓርይዎም። ንጳውሎስ አብ መገዲ ደማስቆስ ብድንገት ሓርይዎ ን፯ተ ዲያቆናት ብሓዋርያቱ መንፈሱ አውሪዱ ሓርይዎም። ነዚ መሰረት ገርና እምብአር አምላኽ ንነፍስወከፍና ከም ዝሓረየና ይርኢ። “ሕሩያት ፍጥረት መዓይይቲ አምላኽ ክንከውን ዝተሓረና ኢና።

ሕርየትና ንድላይ አምላኽ ክነብጽሕ ክነግር እዩ።

አምላኽ ክሓርየና እንከሎ አብ ዓቕሚና አብ ፍልጠትና ተመስሪቱ ዘይኮነ ባዕሉ ብመገዱ ከም ዝመርጽ ንርኢ። ንሱ ዝደልዮ ንዳልዩ ጽን ኢሉ ዘብጽሕ ዝነግር እዩ። ንሕና ብጥምቀት ልኡኻት አምላኽ ክንከውን መብጽዓ አቲና። ክርስትያን ማለት ንድላይ አምላኽ ዝልአኽ ዘብጽሕ ማለት እዩ። ሕርየትና እምብአር መጀመርያ ቅዱሳን ክንከውን ድሕሪኡ በቲ አምላኽ ዝሓረየና ሰበኽቲ ወንጌልን መስከርን ክንከውን እዩ። ከም ሰባኺ አብ አምላኽ ዝመለስክዎም ሰባት አለዉዶ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ። “መልእኽቲ መን እየ ዘብጽሕ ዘሎኹ ክንብል ይግባእ”።

አብ መንልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ኤፈሶን ቀዳመይቲ ንባብና፥ አምላኽ ብኢየሱስ ገሩ ከምዝሓረየና ጥራሕ አይኮነን ይዛረብ። አምላኽ ስለምንታይ ከምዝሓረየና ይነግርን የዘኻኽርን “አብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ክንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኃረየና” (ኤፈ 1፡4)። ብኻልእ አዘራርባ ዓለማ ተፈጥሮናን ድላይ አምላኽን ምኽንያት ሕርየትና እዚ እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ከምቲ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዘይነብር ካልአይ ምኽንያት ስለምንታይ አምላኽ ከም ዝሓረየና ክንርኢ ከሎና ንኻልኦት አብ አምላኽ ክምለሱ ወይ ክፈልጡ ክንልአኽ እዩ። እዚ ኸአ ተልእካዊ መንፈስ ክነዕቢ ንማለት እዩ። እዚ ክልተ ምኽንያት ሕርየትና ብሓደ እንተ ገበርናዮም አብቲ መወዳእታ ምኽንያት ተፈጥሮ ዕላማናን አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንበጽሕ ንኽእል።

ናይ ሎሚ ወንጌል ነታ ካልአይቲ ምኽንያት ሕርየትና ብዝያዳ የተኩር። ክርስቶስ ነቶም ዝሓረዮም ነቲ ዓላማ አምላኽ ዝሓረዮም አብ ሕይወቶም ብዝያዳ ክርድኡ ኢሉ ንሰለተ ዓመት አስተምሂርዎም። አብ መወዳእታ ነቲ ቀዳማይ ዓላማን ድላይ አምላኽን ከብጽሑ ልኢኽዎም። ተልእክኦም ከአ አብ ማሕበረ ሰብን አብ ዓለምን እዩ። እዚ መጀመርያ ንርእሶም ዝአተውዎ ድሓር ንሳቶም ንኻልኦት አብኡ ከም ዘእትዉ ገርዎም፥ እዚ እዩ አብ ክርስቶስ ምዕባይ ማለት። ሕይወትካ ብምልኡ ናይ ክርስቶስ ገርካ ንአኻ ዝረአየ ንክርስቶስ ከም ዝርአየ ምግባር። አብ ሕይወትና ንቅድስና ክንለብስ ክንጽዕር ነዚ እናገበርና ንካልኦት እውን አብ አምላኽ ተመሊሶም ቅድስናን ሓቅን ክለብሱ ምሕጋዝ። ነዚ ዝገብር ሓዋርያ ሰባኺ መስካሪ ክንብሎ ንኽእል። ነዚ ቅዱስ ተልእኮ ግብራዊ ክንገብሮን ክንፍጽሞን ንአይ ጥዓመኒ እንብል ክንከውን የብልናን ፍቕሪ ደፊኡና ንኻልኦት ከማና ዝበሉ ሰባት ካብቲ ዘለውዎ አብ አምላኽ ከምዝምለሱ ምግባር እዩ። ከም ጻጸ ምግቢ የናዲ እሞ ምስ ረኸባ አብ አሕዋቱ አምጺኡ ዝካፈላ ንሕና እውን ንዘሎና ምስ አሕዋትና ተኻፊልና ክንክእል አሎና።

አብ መወዳእታ እንርእዮ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ነቲ ዝሃቦም መልእኽቲ እናአብጽሑ እንከለዉ አብ መንጎ ከይደናገሩ ወይ እውን ብዝኾነ ምኽንያት ከየብጽሕዎ ከይተረፉ ኢሉ መምርሒታት ሂብዎም። ንሱ አብ ከመይ ዝበለ ዓለም ይልእኮም ከምዘሎ ማለት ምቾት ጣዕሚ ዝተፈላለየ ፈተና ዘለዎ እሞ ትርጉም ተልእክኦም ጠሊሞም አብ ካልእ ከይዝንብሉ ኢሉ መምርሒ ሂብዎም። ለቢስካዮ ዘሎኻ ሕይወት ዋንኡ አምላኽ ከምዝኾነ ተረዲእካ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ገርካ ክትጉዓዝ ይግባእ። ተልእኮ ክርስቶስ ክዕወት እዚ ንአይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ዝብል ዓለምና አብ ሃብትን ምቾትን ጥሒሉ አብ ፍትወትን ድለትን ሥጋን ጥራሕ ዘንቢሉ ዘሎ ዓለም ክንዝንግዖ የብልናን። ንዝኾነ ካብ ድላይ አምላኽ ከይንፍጽም ዝዓግተና ሓይሊ ሰጋእ ክንብል የብልና።

አብ መምርሒ ክርስቶስ እንተ ጸኒዕና ብእኡ እንተ ተመሪሕና ንድላይን ዓላማን አምላኽ ክንስሕቶ አይንኽእልን ኢና። ግን ንአኡ ሓዲግና ነቲ ብቐሊል ካብ ጉዕዞና ዘዘናብለና እንተ አተኮርና ጠፊእና ኢና። ዘሕዝን ብዙሓት ካባና ለቢስናዮ ዘሎና እንታይነቱ ብዘየገድስ አብ ተልእኮነ አተኲርና ምጥማት እንጉዓዞ ዘሎና ሕይወት ንመን እዩ ዝስዕብ ዘሎ ክንፈልጥ ዝዘንጋዕና እዩ ዝመስል። ነቲ ክርስቶስ ዝሃበና መምርሕን ተልእኮናን ምእዛዝ አቢና ባዕልና ዝመሃዝናዮ ድለትን ዓላማን ኢና ንፍጽም ዘሎና። ነቲ ከም ክርስትያን ክንክተሎን ክንስዕቦን ዝግብአና ሓዲግና እንኸዶ ዘሎና ጠፊኡና ዓላማ ምኽንያት ተፈጥሮና ዘንጊዕና ዓለምና ብሰንኪ ግጉይ መገዲ ብምሓዝና ትሕመስ አላ።

አብ ሕይወትና አቲና ከመይ እጉዓዝ አሎኹ ምስ መን እጉዓዝ አሎኹ ኢልና ክንሓስብ ሎሚ ንሕተት አሎና። ፀሓይ በሪቓ እትዓርበና ሓንቲ ፍረ ከይገበርና አብ ክፍአተ ግብሪ ጥሒልና ልኡኻት ጸልማት ኮና ንብዙሓት ካብቲ ክኸድዎ ዝግብኦም መንገዲ አውጺእና አብ ግጉይን ንጥፍአት ዝመርሒ አእቲና እንጉዓዝ ውሑዳት አይ ኮናን። አብ ልብና እሞ ምልስ ንበል ሽዑ አምላኽ ተመለሰኒ እናበለ ክጽውዓና ነታ ንጥፍአት ዝወሰደትና መገዲ ካብአ መሊሱ አብኡ ክመልሰና እዩ። ሓንትስ ንርእስና ርኢና ንኽአል እንበር ክፍአትናስ ባዕሉ ዝዛረብ መስክሩለይ ዘየድልዮ ንጥፍአት ናተይ ኢሉ ሒዙ ዘሎ እዩ። ዓለምና ዝነብሮ ዘሎ ንርኢ አሎና ንሕጊ አምላኽ ብሕጊ ሰብ ክንትክእ ነቲ አምላኽ ካብ መጀመርያ ዝሃበና ትእዛዝ ጠሊምና ከም ቀዳሞት ወለድና ካብ አምላኽ ወጺእና ኢና ዘሎና። ሎሚ ዝርእያ አዒንቲ ውሒደን ንሓቂ ዝዛረብ መልሓስ ተሳኢኑ ብአንጻሩ ንሓቂ ንጽድቂ ዝሓዘ ዝፈርሓሉን ዝስከፈሉን እዋን ኢና ዘሎና። ሰይጣን ዝተዓወተሉ ብጅግና ተፈሊጡ ሰብ ልቡ ፍርሒ ዘሚትዎ ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊእዎ አሎ። ስለዚ አብ ልብና ተመሊስና አምላኽ ዝሓረየኒ ንፍሉይ ዓላማ ድላዩ ክገብር ዝተሓረኹ እየ ኢልና ንድላይ አምላኽ ክንገብር ቍርጺ ፍቓድና ንሓድስ።

ሓደ ካብቲ መጋበሪ አብ አምላኽ ክንምለስ ከም ሕሩያት አምላኽ ክንከውን ዝገብረና ክንሳሕ ከሎና እዩ። ምንሳሕ ማለት አእምሮኻ ምቕያር እሞ ድሕሪኡ ንአእምሮኻ ምስቲ ዘምጻእካዮ ለውጢ ምውህሃድ እዩ። እዚ ሓዲስ ሰብ ይገብረካ። ምንሳሕ ክንብል እንከሎና ክሳብ ምስራቕ ካብ ምቅታል ዝሙት ካብቶም ዓበይቲ ንነፍስና ዝቐትሉ ዓበይቲ ኃጢአት ዘይምግባር ጥራሕ ማለት አይኮነን። ምናልባት ካብ ከምዚኦም ዝአመሰሉ ኃጢአታት ክትንሳሕ ቀሊል እዩ። እቲ ቀንዲ ክትልውጦ ዘድሊ ንሕይወትካ ካብ ንአይ ጥዓመኒ፥ ክግበረልካ ጥራሕ ምድላይ፥ ናይ ካልእ ዘይግድሰካ ምዃን አብ ርእስኻ ጥራሕ ምትኳር ነዝን ካልእን ምልዋጥ እዩ። ምንሳሕ ወይ ምቕያር ክብሃል እንከሎ እምብአር ካብ አብ ርእስኻ ጥራሕ ዘተኮረ ሕይወት አብ አምላኽ ዘተኮረ ሕይወት ምቕያር እዩ።

ክትንሳሓ እንከሎኻ ምስኡ ዝኸይድ ዘይተርፍ ነገራት ክትገብሮ ግድን ዝኾነ ነገራት አሎ። ምስ አምላኽ ክትነብር ትመርጽ እንተ ኾንካ አባኻ ጠቢቑ ካብ አምላኽ ፈልዩካ ዘሎ ነገር ክትስዕሮ ክትልውጦ አብ ገለ እዋን ስቓይ ይፈጥረልካ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ዘጸግመና ክነሰማማዕ ንፍትን እዚ ግን ምጥባር እዩ ምሉእ ምሕዳስ ከአ አየምጽአልናን እዩ። ክንሳሕ ከሎና አብ ሓዲስ ሕይወት ካብቲ ዝነበርካዮ ምእታው እዩ። ንዝአረገ ሕማቕ ልምድና ሓዲገዮ ክብል ካብ ምፍጻሙ ጥራሕ ደው ምባል እኹል አይኮነን ሓዲስ መገዲ ክንፈጥር አሎና ነቲ አረጊት ተኪኡ አብ ሓዲስ ዕማም ዝወስደና መገዲ ክንአቱ አሎና። አብቲ ዝአቶናዮ ሓዲስ ሕይወት ኵሉ ዝክአለና ሓይልና ዓቕምና ክነጥፍአሉ አሎና።

ዝተሓደስ ዝተነስሐ ሕይወት ክንለብስ፥ ብዳግም መልእኽቲ አምላኽ ክነብጽሕ ክንወፍር እንከሎ ዝያዳ ጸጋን በረኸትን ንረክብ ሽዑ ከም ሓዋርያ ጳውሎስ አሳዳዲ ዝነበረ ሰባኺ ይኸውን። ከም ልኡኻት አምላኽ መጠን ኵሉ ጊዜ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዝበሎ ክንዝክር ይግባእ፥“ንአኻትኩም ዝቕበል ንአይ ይቕበል እቲ ንአይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ ይቕበሎ” (ማቴ 10፡40)። ሎም ንሕና ኢና ልኡኻት አምላኽ ክንከውን በብዘሎና ሕይወት ዝተሓረና እሞ አብጻሕቲ መልእኽቲ አምላኽ ኮና ሰላም ፍቕሪ መለለይና ገርና መልእኽትና ነብጽሕ።

ነፍስወከፍና አብ ቅድሚ አምላኽ ፍሉያት ፍጥረት ኢና። አምላኽ ዝመደቦን ዝሃቦን ዓላማ ዝለበስና ኢና። ነፍስወከፍና አብ እግሪ ሓዋርያት እንስዕብ ፍሉያትን ሕሩያትን አምላኽ ምስኦም ኮና መልእኽቲ አምላኽ አብ ኩሉ ክነብጽሕ ሕራይ ዝበልና ሰባት ኢና። ስለዚ አብ ተልእኮ ክርስቶስ ሱታፌ አሎና። ነሕዋትና ንዝኾነ ሰብ ሰናይ ዜና ክነብጽሕ ነቶም ኵሉ ጽቡቕ ዜና ጠፊእዎም ዘሎ ነዚ ሰናይ እነብስር ኢና። እሞ ሎሚ ነዚ ክነበስር ንበገስ አምላኽ ከአ ብጸግኡ አሰንዩ ናቱ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.