ማኅበረሰባዊ መርበባት:

ጽማቍ ትሕዝቶ መርበብ:

ሬድዮ ቫቲካን

ምስ ዓለም ዚዋሣእ ድምፂ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያንን

ቋንቋ:

ሰንበት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 7 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም (4/15/2018)

21/04/2018 19:10

መዝሙር፡ ወበእኁድ ሰንበት. . . . አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ማርያም መግደላዊት ናብ መቓብር አንጊሃ ጌና ጸልማት እንከሎ ከይዳ፥ እቲ እምኒ ካብ አፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኺባቶ፥ ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከምኡ ናብቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ በጽሐት፥ ንጎይታይ ካብ መቓብር ወሲዶሞ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን፥ ክልቲኦም ብሓንሳብ እናጎየዩ ከለዉ፥ እቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ንጴጥሮስ ቀዲምዎ በጽሐ።

ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት

ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት

ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ

14/04/2018 17:57

ቅድሚ 15 ዓመት አቢሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ንዓለም ብዘገርም ነዛ ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ “ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት” አምላኽ ኢሎም አብ ኩሎም ካቶሊካውያን ክትብዓል አዊጆም። እዚ ብዓል መለኮታዊ ምሕረት ዝብል ወላ እኳ ብመጠኑ ሓዲስ እንተ ኾነ እቲ መልእኽቲ ናይ አምላኽ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ምሕረት ብርግጽ ሓዲስ ሓሳብ አይ ኮነን። 

ክርስቶስ ትንሥአ እሙታን በዐብይ ኃይል ወሥልጣን

ክርስቶስ ትንሥአ እሙታን በዐብይ ኃይል ወሥልጣን

ሰንበት ዘዳግማይ ትንሣኤ ሚያዝያ 7/2010 ዓ.ም. (4/15/2018)

14/04/2018 17:45

መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር.“ሰማይ ይተሓጎስ ምድሪ እውን ደስ ይበላ መለኸት ይወቓዕ ኩሉ አድባራትን ከበቢኡን ኩሉ አእዋም በረኻታትን ይታሓጎስ ፥ ሎሚ አብ ሰማያት ዓቢ ተሓጓስ ኮይኑ አሎ፥ ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዓባይ ፋሲካ ትገብር አላ። ትንሣኤኡ ብሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ። አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል። 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ሰንበት ዘኒቀዲሞስ መጋቢት 2010 ዓ.ም. (25 March 20138)

24/03/2018 18:31

መዝሙር፡ ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ. . “ኒቆዲሞስ ዝስሙ ናብ ኢየሱስ ከደ ረቢ ሊቅ ንስኻ መምህር ኮንካ ካብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንሕና ብአኻ ንአምን ኢና ከም ወዲ አምበሳ በጥ ኢልካ ደቂስካ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ”።

ኣባ ንጉሠ

ኣባ ንጉሠ

ሰንበት ዘገብር ኄር መጋቢት9 2010 ዓ.ም (3/18/2018)

17/03/2018 18:49

መዝሙር፡ “መኑ ውእቱ ግብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሠናይ.   “መን እዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ    ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እየ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ሰንበት ዘመፃጕዕ ጾም (25 የካቲት 2010 ዓ.ም.) (3/4/18)

03/03/2018 19:21

መዝሙር፡ አምላኩሰ ለአዳም . . . . ንአዳም አምላኹ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ አይሁድ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ በልዎ፥ ንሱ ኸአ አነ እገብር አሎኹ ንስኹም ከአ ብግብረይ እመኑ፥ አነ ጎይታ ሰንበት እየ፥ ንምሕረት ከአ አብአ እየ ንአይ አብ ምድሪ ሓጢአት ክሓድግ ተፈቒዱለይ እዩ። ናጽነት ክሰብኽ ንዕዉራት አዒንቶም ከብርሃሎም ከአ አቦይ ልኢኹኒ እዩ፟“።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ሰንበት ዘቅድስት ዘጾም ፵ የካቲት 11-2010 ዓ.ም. (2/18/2018)

17/02/2018 17:33

መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር”።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) የካቲት 4 2010 ዓ.ም.(2/11/18)

10/02/2018 20:07

መዝሙር፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ